ኣብ ማእከል ባሕሪ ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከቡ ኤርትራውያንን ተጋሩን ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ይሓቱ
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከቡ ቆልዑን ደቂኣንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ሓቲቶም። እቶም ካብ ሊቢያ ክሰግሩ ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ዘጋጠሞም 32 ውጻእ-መዓት ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ኣብቲ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዝርከብ መደበር ጋዝ'ዮም ተዓቚቦም ዘለዉ። "ኣብ መላእ ዓለም ትርከቡ ሰማዕቲ ትግርኛ ኣሕዋትና፡ ኣብዚ ንሕና ብጥምየትን መከራን ቁርን ንመውት ኣለና" ክብሉ ብቪድዮ ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ ተማሕጺኖም።...
Latest releases
ኤርትራዊ ስደተኛ ብኸመይ’ዩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተጨውዩ ተቐቲሉ?
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዘይተፈልጠ ዕጡቓት ተጨውዩ ድሕሪ ምቕታሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
ተዘራርብ ዘላ መጽሓፍ ‘ኮኾብ ሰሜን’ ትሕዝቶኣ እንታይ እዩ፤ ዶር. ፍጹም ከ መን እዩ?
ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤርትራውያን መዛረቢ ኣርእስቲ ፈጢራ ተርአ ዘላ መጽሓፍ፡ ኣብ 2022 ብመምህር መኮነን ተስፋይ ዝተጻሕፈት ዛንታ ህይወት ሓደ ዶር. ፍጹም ገብረስላሰ ዝተባህለ ኤርትራዊ ተጋዳላይ እትጸዊ ዓባይ መጽሓፍ እያ።
መዓስከር ኣለምዋጭ -- ኤርትራዊ ስደተኛ ብዕጡቓት ተቐቲሉ
ኣዲስ ኣበባ —ኣብ ሰሜን ጎንደር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ፡ ዕጡቓት ናብቲ ኤርትራውያን ተዓቝቦምብሉ ዘለዉ ብምምጻእ፡ ንሓደ ካብቶም ተዓቈብቲ ናብ በረኻ ወሲዶም ከም ዝቐተሉ፡ መቕርቡ ካብቲ ቦታ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። ሓሙስ ካብቲ መዓስከር በቶም ዕጡቓት ዝተወስደ ስደተኛ፡ ብቐዳም’ዩ ኣብ በረኻ ተቐቲሉ ተረኺቡ።
ፖሊስ ለንደን፡ ‘ብገበን ዕግርግር ዝተጠርጠሩ’ ኤርትራውያን ይሃድን ኣሎ
ብ30 ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ካምበርወል ደቡብ ለንደን ኣብ ዝተፈጥረ ባእስን ዕግርግርን ብገበን ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ይድለዩ ከምዘለዉ ፖሊስ ኣፍሊጡ። እቲ ትማሊ ዝተዘርግሐ፡ ነዞም ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምውዓሎም ምትሕብባር ህዝቢ ዝጽውዕ መግለጺ ፖሊስ፡ ኣብቲ ዕግርግር፡ ልዕሊ 100 ሰባት - ገሊኦም መሳርያታት ኣባትርን ካልእን ዓጢቘም ነቲ ኣዳራሽ - ላይትሃውዝ ከምዘጥቅዑ...