ህወሓት ብዛዕባ ምስ ኤርትራ ዘለዎ ርክብ ዝሃቦ ግብረመልሲ
ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ምስ ኤርትራ "ሕቡእ ርክብ" ከምዘየካየደ ገሊጹ። ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ገለ መራሕቲ ናይቲ ብኣቦመንበር እቲ ውድብ ዝምራሕ ወገን ህወሓትን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ብስቱር ይራኸቡ ከምዘለዉ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ ምጽንሖም ይፍለጥ እዩ። "ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ከም ዝጀመሩ ኣምሲልካ ምግዋሕ ፍፁም ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ክቐርበሉ ዘይኽእልን...
Latest releases
ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ ውድድር ምሕንባስ ኦሎምፒክ ፓሪስ ዝተሳተፈ ኣሮን ገብረ ተመክርኡ የካፍል
ዋሽንግተን —ኣሮን ገብረ ኦዉሱ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ብናይ 50ሜትር ፍሪስታይ(Freestyle) ናይ ምሕንባስ ውድድር ንኤርትራ ወኪሉ ተወዳዲሩ ራብዓይ ደረጃ ብምርካብ ድማ ውድድሩ ዛዚሙ።
ተደራራቢ ሕማምን ባህሊን ዘይዓገታ ኤርትራዊት ተወዳዳሪት ቅርጺ ሰብነት - ስምረት ርእሶም
ውረድ ደይብ ዝምልኦ ጕዕዞ ሂወት እያ ኣሕሊፋ። እታ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብሰንኪ ጸገማት ጥዕና፡ ክሳብ ምስ ምስ ሞት ተፋጢጥጣ ብእምነትን ሓቦን፡ ንዅሉ ሰጊራ እያ ሕልምታታት ዘግሃደት።
‘ኤርትራ፣ ዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ንዝሓዘቶ መርገጺ፣ ኣድናቖትና ንገልጽ’ ፕረዚደንት ኢራን
እስራኤል ኣብ ቓዛ ኵናት ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን፣ ኤርትራ ንዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ሒዛቶ ዘላ መርገጺ፣ ኢራን ኣድናቖታ ከምእትገልጽ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር መስዑድ ፐዘሽኪያን ገሊጹ።
ርክብ ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን መንእሰያት -- ንስራሕን ሌላን
ዋሽንግተን —ሓሙስ 25 ሓምለ 2024 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ኣስታት 400 መብዛሕትኦም ሞያውያን ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን መንእሰያት ዝተኣኻኸቡሉ ናይ ምልላይን ርክባትን መደብ ተኣንጊዱ ኣምስዩ። እቲ ኣጋጣሚ ኪንዮ ፖለቲካዊ ማሕበራዊን ፍልልያት ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ንዘለዉ ኣብ ኣመሪካ ተወሊዶም ዝዓበዩ ወይ ድማ ድሒሮም ዝመጽኡ ኤርትራውያን ዝጥርንፍ ኣጋጣሚ’ዩ ነይሩ።