How Nigeria, Eritrea, Ethiopia are becoming key FDI sources for Rwanda
African countries Nigeria, Eritrea, and Ethiopia stood out among the top ten sources of Foreign Direct Investments (FDIs) in Rwanda in 2024, contributing over $464 million in FDIs. Nigeria in...
Latest releases
ምስ ቅትለት ኣሜን ተኽላይ ብዝተሓሓዝ ሳልሳይ ጥርጡር ተቐይዱ
ምስቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ግላስጎ ስኮትላንድ፡ ኣብ ሸዊት ዕድሜኡ ዝተቐተለ ኣሜን ተኽላይ ብዝተሓሓዝ ሳልሳይ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ወዲ 15 ዓመት ኣሜን ተኽላይ ብ5 መጋቢት ምሸት'ዩ ኣብታ ኣብ ስኮትላንድ ትርከብ ከተማ ግላስጎ ብኸቢድ ቈሲሉ ተረኺቡ። ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ ወሃብቲ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምድሓኑ ዝገበሩዎ ጻዕሪ ከም ዘይተዓወተን ኣብ ቦታ ፍጻመ ሞቱ ከም ዝተረጋገጸን ፖሊስ ስኮትላንድ ኣብ እዋኑ ገሊጹ ነይሩ። ፖሊስ...
ኤርትራን ግብጺን፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘየሎዋ ሃገራት ተሳትፎ ከም ዘይህልወን ተሰማሚዐን
ግብጽን ኤርትራን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘይዳወባ ሃገራት ኣብ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪ ዝዀነ ይዅን ተሳትፎ ከይህልወን ከም ዝተሰማምዓ ማዕከናት ዜና ግብጺ ገሊጸን። ነዚ ዝገለጻ፡ ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ካይሮ ተረኺቡ፡ ምስ ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ባድር ዓብደላትን ድሕሪ ዝገበሮ ክልተኣዊ ርክብ እዩ። ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ግብጺ መሓመድ ኣል ሸናዊ፡ እዚ ርክብ፡ ሰላምን ምርግጋእን ሱዳን ናብ ንቡር ንምምላስ፣ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ...
ዘገርም ዛንታ ቀሺ ማርቆስ ግርማይ
ዘመኑ፡ ዘመን ቍርቍስ ደብረ-ቢዘንን ጸዓዘጋን ነበረ ክበሃል ይከኣል። ደብረ-ቢዘን ማእከል ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ብምንባሩ ንህዝቢ ክርስትያን ከበሳ ብምውካል፡ ነቲ ምስዮናውያን ዘርኣይዎ ዉቕዮ (achievement) ብምምካት ተቓውሞኡ ዘልዓልሉ ዘመን ነበረ። ኣብቲ ቍርቍስ'ቲ ድማ ጣልያን፡ ከም ሓደስቲ ገዛእቲ መጠን፡ ኢድ ነበሮም። ብኻልእ ሸነኽ ድማ ቀሺ ማርቆስ ግርማይ ብጎቦ-ጎቦ ኣብቲ ጉዳይ ተጸንበሩ - ጓልና ወሲድኩም ተባሂሎም ስለ ዝተኸሰሱ ኣብ ነገር ኣተዉ። ኣብ ኤርትራስ ዘይተነግረ'ምበር ዘይተገብረስ...
ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምርካብ ናይ ህልውና ስግኣት'ዩ ምባል 'ሓደገኛ ሃቐነ' ዘለዎ'ዩ - ኤርትራ
ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምውናን ከም ናይ 'ህልውና ስግኣት' ጌርካ ምውሳድ "ሓደገኛ ሃቐነ" ዘለዎ ምዃኑ ኤርትራ ገሊጻ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብሓሙስ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያውያን ናይ ህልዉና ጉዳይ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ብወገን ኣስመራ ሎሚ ኣብ ዝወጸ ቀጥታዊ ግብረመልሲ ዝመስል ሓጺር መግለጺ፡ ርእይቶ ኣቢይ "ዝተጋነነ" እዩ ይብል። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ናይ ህላወ ሓደጋ...