ኤርትራ ግዳይ እገዳ መገሻ ኣመሪካ ዝዀነትሉ ቀንዲ ምኽንያታት እንታይ'ዩ?
ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝመጽእ ሰኑይ ግብራዊ ዝኸውን ሓድሽ እገዳ መገሻ ኣንቢሩ ከም ዘሎ ዋይት ሃውስ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ካብ ኣፍሪቃ፤ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ሊብያ፡ ጫድ፡ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ኢኳቶርያል ጊኒን ክህሉዋ እንከለዋ፡ የመን፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሚያንማር፡ ሀይቲን ኢራንን ድማ ተወሰኽቲ ኣብቲ ዝርዝር ዘለዋ ሃገራት እየን። ብኸፊል እገዳ ዝተነብረለን ካልኦት ሸውዓተ ሃገራት'ውን ኣለዋ። ዶናልድ ትራምፕ ነዘን 12 ሃገራት ምሉእ እገዳ...
Latest releases
ምቅይያር ኪዳናት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጽልዋታቱን ሳዕቤናቱን
ኣብ መፋርቕ 2018፡ እቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኣስታት 20 ዓመት ጸኒዑ ዝነበረ “ኵነተ ኲናት”፡ ብኣኽብሮ ኣህጉራዊ ብይን ውሳነ ዶባት ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ብዕርቀ ሰላም ተወዲኡ፡ ኣብቲ ዞባ ጩራ ሰላም ተዀሊዑ። እቲ ሰላም ሓሪምዎ ዝነበረ ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት “ደጊም ይኣኽለና!” ክብል ነቲ ብስራት ብድሙቕ ዕልልታን ልባዊ ሓጐስን ተቐቢልዎ።
መራሕቲ ኣፍሪቃ ስለምንታይ እዮም ኵነታት ጥዕናኦም ዝሓብኡ?
ፕረዚደንት ካሜሩን ፖል ቢያ ካብ 1982 ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ይርከብ።ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ጥዕናዊ ኵነታት ክልተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ካሜሩን ፖል ቢያን ፕረዚደንት ማላዊ ላዛሩስ ቻክዌራን ኣዘራራቢ ጉዳይ ኰይኑ ቀንዩ ኣሎ። ብዘይካ'ዚ፡ ኵነታትን ሃለዋትን ናይቲ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ፖለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ ዝበሓተ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እውን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኣዛራቢ ኰይኑ ነይሩ። ድሕሪ'ቲ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ - እዋን ረፈረንደም፡ ሓሚሙ ተባሂሉ ንእስራኤል ንሕክምና ምኻዱ ዝተገልጸሉ ኣጋጣሚ፡ ብድሕሪኡ ብዛዕባ ሕማሙን ሕክምናኡን ብወግዒ ዝስማዕ ነገር የለን። ...
ኤርትራ፣ ኣስታት 300 ወትሃደራት ናብ ሶማል ልኢኻ
ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዝርከብኦም ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ሶማል ከምዝኣተዋ ወትሃደራውያን ምንጭታት ንራድዮ ኤረና ሓቢሮም። እቶም ልዕሊ 300 ዝግመቱ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ወደብ ዓሰብ ብመርከብ ተበጊሶም፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ናብ ሶማል ከምዝኣተዉ‘ዩ እቲ ምንጪ ጠቒሱ። ኣብ ኤርትራ፣ ልዕሊ 3 ሽሕ ወርትሃደራት...
ኤርትራዊት ስደተኛ ብዝፈጸመቶ ገበን ተፈሪዳ
ፍዮሪ ከሰተ ዝተባህለት ጓል 25 ዓመት ኤርትራዊት፡ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ንሓንቲ ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ድሕነተ ብኻራ ብምውጋኣ ማእሰርቲ ተፈሪዳ።ውሳነ ዝሃበ ዳኛ “ሕሱምን ዘስካሕክሕን” ክብል ነቲ ኵነታት ብምግላጽ “ንዓዳ ክትባረር ኣለዋ” እውን ኢሉ።ፍዮሪ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ቤት ፍርዲ ዱንጋኖን ኣብ ዝቐረበትሉ እዋን ኣብ ልዕሊ እታ ግዳይ ከቢድ ኣካላዊ ጉድኣት ከም ዘውረደት ተኣሚና እያ።