ፈላሚ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ቀዳማይ ኣትዩ
ትማሊ ብፕሮሎግ ዝጀመረ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ሎሚ ቀዳማይ መድረኽ ኣብ ዘካየደሉ: ሄኖክ ምሉእብርሃን ብቅጽበታዊ ውድድር ተዓዋቲ ቀዳማይ መድረኽ ኮይኑ። እዛ መድረኽ ካብ ከተማ ሩኮሞ ናብ ካዮንዛ 157.8 ኪሎ ሜተር ትዝርጋሕ ኮይና፡ ካብዘን ሎሚ ዓመት ዝተሰርዓ እታ ዝነውሐት'ያ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ውድድር ተቐዳደምቲ 2019 ሜትሮ ብራኸ'ዮም ሓዂሮም። ኣብዛ መድረኽ ኣብ መበል 32.3 ኪሎ ሜተር ናይ ዓቐበት፡ ኣብ መበል 72.6 ኪሎሜተር ከምኡ'ውን...
Latest releases
ናዕቢ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ ከቢድ ዕንወት ከምዘውረደ ተገምጊሙ
ብ17 ለካቲት 2024 ኣብ ኔዘርላንድስ (ሆላንድ) ኣብ መንጐ ተቓወምትን ደገፍትን መንግስቲ ኤርትራ ብዝተፈጥረ ናዕቢ ዝወረደ ዕንወት ልዕሊ 700 ሽሕ ዩሮ ከም ዝበጽሕ ተገሊጹ።
ኤርትራ ሕብረት ኣውሮጳ ዘንበረላ እገዳ ክናዋሕ ምውሳኑ ኰኒና
ኤርትራ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ንዘንበረላ እገዳ እንደገና ከናውሖ ምውሳኑ ብትሪ ኰኒና።ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳን፡ በልጂም፡ ነዘርላንድን ላክሰንበርግን፡ ኣብ ብራስለስ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምንዋሕ ናይቲ እገዳታት "ዘይምኽኑይ ተጻብኦ ኣንጻር ኤርትራ'ዩ" ክብል ነቒፉ።
ኤርትራ፡ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለኣ ካበይ ናበይ?
ኣብ ኤርትራ ኣብ 40’ታት፡ 50’ታት፡ 60’ታት ዝነበረ ህይወት፡ ብሓፈሻዊ መልክዓቱ ምስ ዝልካዕ፡ ምስዚ ሕጂ ሰፊኑ ዘሎ ህይወት ኣይመጣጠንን’ዩ ዝብሉ ብዙሓት ምሁራን ዜጋታት ኣለዉ።
ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ገጣሚን ሃይለ ቢዘን፤ ካብ ማሕበር ጸሓፍቲ ኖርወይ ስልማት ተቐቢሉ
ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ገጣሚን ሃይለ ቢዘን፤ ናይ’ዚ ዓመት ብሉጽ ጸሓፋይ ተባሂሉ ካብ ማሕበር ጸሓፍቲ ኖርወይ ስልማት ተቐቢሉ።