ኤርትራ ንሙላቱ ተሾመን 'ምትዂታዂ ኢትዮጵያን' ዝሃበቶ ተሪር ግብረመልሲ
ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ ብዛዕባ ኤርትራ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሓቅነት ከምዘይብሉ ኤርትራ ገሊጻ። ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሓድሽ ኲናት ንምውላዕ ትዳሎ ከም ዘላን ክትግታእ ከምዝግባኣን'ዩ እቲ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ዝኸስስ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ "ናይ ሓሶት መጠንቀቕታ" ክብል ነጺግዎ'ሎ። "እቲ ደረቐኛ ክሲ፡ ንናይ ኲናት ድሌት [ኢትዮጵያ] ንምኽዋልን ንምምኽናይን...
Latest releases
ትውልደ ኤርትራዊት-ኣመሪካዊት ኢቦኒ ኦብሲዲያን ዝተዋስኣትሉ ፊልም 'ዘ-ሲክስ ትሪፕል ኤይት'
ምከና ዛንታ 1945 ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም እዩ። ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝነበራኣ በጦሎኒ 6888 [ሲክስ ትሪፕል ኤይት] ተባሂላ እትጽዋዕ ኣሃዱ ድማ ናብቲ ግንባር ተላኢኻ፤ ካብ ትጽቢት ጸዓዱ ሰበስልጣን ኣመሪካ ወጻኢ ዓቢይ ታሪኽ ሰሪሓ። እዛ ኣሃዱ፡ ሞራል እቶም ኣብ ውግእ ተዳኺሞምን ደሃይ ስድራቤቶም ስኢኖም ተሰላችዮምን ዝነበሩ ወተሃደራት ኣመሪካ ሓፍ ኣብ ምባል ዓቢይ ታሪኽ'ያ ሰሪሓ። ታሪኽ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ግን፡ ክሳብ ፊልም 'The Six Triple Eight' ኣብ...
ዓመተ 2024፡ ሓንቲ ፈትሊ ዝሓዘታ ርክብ ኣዲስ ኣበባን-ኣስመራን ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪ ቀርኒ ኣፍሪቃን
ዓመተ 2024 ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኲናት፡ ወጥርን ምትፍናን፡ ከምኡ'ውን ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዝዓብለላ ኰይና'ያ ሓሊፋ። እዞም ዓበይቲ ጂኦፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያዊ ጸጥታዊን ፖለቲካዊን ብድሆታትን ነቲ ዞባ ብሓፈሻን ንገለ ሃገራት ድማ ብፍላይ ናብ ዘይምርግጋእ ሸሞም ብምህላዎም ከቢድ ዞባዊ ስግኣት ዝፈጠሩን ዓለምለኻዊ ኣቓልቦን ስሒቦም ኣለዉን እዮም። እናዛሕተለ ዝመጸ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ምትፍናን ሶማልያን ኢትዮጵያን ከምኡ'ውን መዕለቢ ዝተሳእኖ ኲናት ሓድሕድ ሱዳንን ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ገለ ካብቶም ቀንዲ ምዕባለታት ናይቲ ዓመት'ዮም።
ኤርትራ፡ ቀንዲ ፍጻመታት ዓመተ 2024
ኣብ ኤርትራ፡ ኣብዛ እነፋንዋ ዘለና ዓመተ 2024፡ ካብ ጥሪ ክሳዕ ታሕሳስ ዝተራእዩ ፍጻመታት ብሕጽር ዝበለ ዝርዝራት ቀሪቡ ኣሎ።ብሕልፊ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ግብጺ፡ ኢጣልያ፡ ቻይናን ደቡብ ኮርያን ምብጻሕ ኣካይዱ። ብኻልእ መዳይ፡ ንፕረዚደንት ሶማልያ ሓሙሽተ ግዜ፣ ንፕረዚደንት ግ ብጺ ሓንሳብ፣ ንፍሉይ ልኡኽ ግብጺ ክልተ ግዜ፣ ንፍሉይ ልኡኽ ቻይና፣ ንፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን፣ ከምኡ'ውን፡ ንሌ/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ኣስመራ ተቐቢሉ ኣዘራሪብዎም።
ቢንያም ግርማይ፡ ዓመተ 2024 ኣፍሪቃን ኤርትራን ዝወረቓሉ ዓመት
ቢንያም ግርማይ ኣብ ዓመተ 2024 ዘመዝገቦ ሓደሽቲ ክብረ ወሰናት ምጽብጻብ ንባዕሉ ሓደ ነብሱ ዝኸኣለ ስራሕ'ዩ። ቢንያም፡ ነዚ ሓደሽቲ ክብረወሰናት ንምምዝጋብ፡ እቲ ንልምምድ ዝዘወሮ ከይጸብጻብካ፡ ኣብ ውድድር ጥራይ 11 ሽሕን 773 ኪሎሜተር'ዩ ዘዊሩ። ነዚ ራሕቂ ንምርድኡ ምእንቲ ክቐልል: ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ግብጺ ብመንገዲ 6431...