ኤርትራ ንሙላቱ ተሾመን 'ምትዂታዂ ኢትዮጵያን' ዝሃበቶ ተሪር ግብረመልሲ
ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ ብዛዕባ ኤርትራ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሓቅነት ከምዘይብሉ ኤርትራ ገሊጻ። ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሓድሽ ኲናት ንምውላዕ ትዳሎ ከም ዘላን ክትግታእ ከምዝግባኣን'ዩ እቲ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ዝኸስስ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ "ናይ ሓሶት መጠንቀቕታ" ክብል ነጺግዎ'ሎ። "እቲ ደረቐኛ ክሲ፡ ንናይ ኲናት ድሌት [ኢትዮጵያ] ንምኽዋልን ንምምኽናይን...
Latest releases
ኤርትራ፡ ክንዮ ፈንቅል ዝነበረ ባህጊን ትጽቢትን
እዚ ሰሙን ቅንያት፡ መበል 35 ዓመት ጽንብል ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል እዩ። እዚ እዋን ከኣ እቲ ንሓርነት ሰምሃርን ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕን ዝተኸፍለ ከቢድ ዋጋን ኣብቲ ዓውደ ውግእ ዝተራእየ 'ቈራጽነትን ጀግንነትን ኤርትራውያን ተቓለስቲ'፡ ብደርፍን ሙዚቃን ድራማን ትልሂትን ክግለጽ ቀንዩ'ሎ። ኣብ ተሌቪዥን ኤርትራ ይዅን ሓያለ ቻነላት ኤርትራውያን ነቲ ስርሒት ዘንጸባርቕ ዛንታት ክትረኻ ቀንየን ኣለዋ። ኣብ 1977 ዝነበረ ገስጋስ ሰውራ ኤርትራ፡ ንሓያሎ ከተማታት ተቘጻጺሩ፡ ህዝባዊ ግንባር ድማ ብዘይካ ናቫል በይዝ፡ ወደብን ርእሲ ምድርን...
ኣዘርባዣን፡ ቤተሰብ ኤርትራ ዝሓዘቶም ባሕረኛታት ተቓውሞ የካይዱ
ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዘለዉ ኣዘርባዣናውያን ባሕረኛታት ክፍትሑ ቤተሰቦም ጸዊዖም። መንግስታዊ ትካል ፕረስ ኣዘርባዣን ከምዝበሎ፡ ስድራቤት ናይቶም ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ኤርትራ ከምዘለዉ ዝንገረሎም ባሕረኛታት ብዛዕባ ኩነታቶም ርጡብ ሓበሬታ ክወሃቦም ንምጥላብ'ዮም ኣብ ርእሰከተማ ባኩ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም። ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር ሰለስተ መራኽብ ኣዘርባዣን "ብሰንኪ ዘጋጠመን ሕማቕ ኵነታት ኣየር ናብ ልኡላዊ ማያት ኤርትራ" ድሕሪ ምእታወን ብሓለዋ ባሕሪ ኤርትራ ከምዝተታሕዛ ይግለጽ። ኣብተን መራኽብ ዝነበሩ 18 ኣዘርባዣናውያን...
ኣስመራ፡ ፍሉይ ልኡኽ ስዊዘርላንድ ናይ ኤርትራ ዑደቱ ዛዚሙ ከምዝተመልሰ ኣፍሊጡ
ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ከካይድ ዝቐነየ ፍሉይ ልኡኽ ስዊዘርላንድ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደቱ ወዲኡ ከም ዝተመልሰ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኣስመራ ዝኣተወ ኣምባሳደር ሲልቨይን ኣስቴር ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ ብምርኻብ ተዘራሪቡ ነይሩ።ምብጻሕ ናይቲ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ምስ ጉዳይ ምምላስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተሓሓዝ ምስሕሓብ መፍትሒ ከናዲ ትጽቢት ተገይሩሉ ዝነበረ'ዩ። "ኣብ ኤርትራ ዘካየድክዎ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲ...