ደረጃ ብልሽውና 2024፡ ኤርትራ ንኣርባዕተ ሃገራት ጥራሕ ቀዲማ፡ ኢትዮጵያኸ?
ደረጃ ብልሽውና ሃገራት ዝዕቅን 'ኮራፕሽን ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል' ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ዓመተ 2024 ደረጃ ሃገራት፡ ግዕዝይና ኣብ መላእ ዓለም 'ሓደገኛ ዕንቅፋት' ኰይኑ ከም ዘሎ ገሊጹ። ኣብቲ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ካብ 180 ሃገራት 37 ነጥቢ ብምምዝጋብ መበል 99 ኣብ ዝተሰርዓትሉ፡ 13 ነጥቢ ብምርካብ መበል 173 ተሰሪዓ ዘላ ኤርትራ ድማ ሓንቲ ካብ ቀዳሞት 13 ብልሹዋት ሃገራት ኮይና...
Latest releases
መቐለን ኣስመራን ዝርከብአን ከተማታት ብኸመይ ኣብ ኢጣልያ ኣስማት ጐደና ኰይነን?
ካብቲ ፍሉጥ ማእከላይ መደበር ባቡር ሮማ ሒደት 'ፌርማታ' ጥራይ ርሒቑ ይርከብ። ዘመናት ዘቝጸሩ ቅርስታት ብቐረባ ከቢቦምዎ ይረኣዩ። እቲ ከባቢ ግን ምስ ጥንታዊነት ሮማ ክነጻጸር ከሎ ብተዛማዲ ሓድሽ እዩ ምባል ይከኣል። መብዛሕትኡ መንበሪ ህንጻታት'ኳ እንተዀነ ውሑዳት ንግዳዊ ቦታታት እውን ዝሓዘ እዩ። እዚ ቦታ 'ኳርቴረ ኣፍሪቃኖ' ይበሃል። ኣፍሪቃዊ 'ከባቢ' ከም ማለት እዩ ዝኸውን ዘሎ። ጐደናታት 'ኳርቴረ ኣፍሪቃኖ' ብስም ከተማታት እተን ኢጣልያ 'እግራ ዘንበረትለን' ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሰየመ...
ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት ናብ ሰራዊት ሱዳን ኢዱ ሂቡ
ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት ኣብ ዞባ ኣል ጀዚራ፣ ኣቡ ዓቕላ ካኪል፣ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኢዱ ከምዝሃበ ተሓቢሩ።ኣፈኛ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ኣዛዚ ነቲ ንሃገርን ቅንዕናን ብምምራጽ፣ ብሰላም ኢዱ ከምዝሃበ ብምርግጋጽ፣ ምስ ሰራዊት ሱዳን ተጸንቢሩ ኣንጻር ዓመጽ ክቓለስ ምውሳኑ ኣመልኪቱ። ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት፣ ብርክት ዝበለ ኣጽዋርን ኣባላት ፈጣን ሓይልትታትን ሒዙ ናብ ሰራዊት ሱዳን ኢዱ ከምዝሃበ ‘ዩ ተሓቢሩ። ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት...
ግጥም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ደቡብ ሱዳን ክካየድ ምዃኑ ተገሊጹ
ሃገራውያን ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን: ናይ መጻርዪ ዋንጫ ቻምፕዮንሺፕ ኣፍሪቃ ግጥመን ኣብ ደቡብ ሱዳን ከም ዘካይድኦ ተፈሊጡ።እቲ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ክካየድ ዝነበሮ ክልተ ዙርያ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ኣብ ከተማ ጁባ ክውዳእ ምዃኑ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ።መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢትዮጵያ ከምዝሓበሮ፡ ኣሰልጣኒ መሳይ ተፈሪ ኣብቲ ግጥም ዝሳተፉ ተጻወቲ መነመን ምዃኖም ኣለልዩ ኣሎ። እቲ ጸወታ ስለምንታይ ኣብ ደቡብ ሱዳን ክካየድ ከም ዝተወሰነ ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን።
ምቅይያር ኪዳናት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጽልዋታቱን ሳዕቤናቱን
ኣብ መፋርቕ 2018፡ እቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኣስታት 20 ዓመት ጸኒዑ ዝነበረ “ኵነተ ኲናት”፡ ብኣኽብሮ ኣህጉራዊ ብይን ውሳነ ዶባት ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ብዕርቀ ሰላም ተወዲኡ፡ ኣብቲ ዞባ ጩራ ሰላም ተዀሊዑ። እቲ ሰላም ሓሪምዎ ዝነበረ ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት “ደጊም ይኣኽለና!” ክብል ነቲ ብስራት ብድሙቕ ዕልልታን ልባዊ ሓጐስን ተቐቢልዎ።