ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ዝነብሩላ ካናዳ፡ ስለምንታይ ግዳም ሓደርነት በዚሑ?
ብዝተፈላለየ ምኽንያታት፡ ካብ ሃገሮም ዝወጹ ኤርትራውያን - ኢትዮጵያውያን'ውን ከይተረፈ፡ ኣብተን ከም መሰጋገሪ ዝረግጹወን ጐረባብቲ ሃገራት ኰይኖም መብዛሕትኦም ናብ ሳልሳይ ሃገር እዮም ዘቋምቱ። ካናዳ ሓንቲ ካብተን ዜጋታት እዘን ሃገራት ብብዝሒ ዝኸዱላን ዝቕመጡላን ሃገር እያ። ኣብዛ ሃገር፡ ቍጽሪ ግዳም ሓደር ዝዀኑ ሰባት ይውስኽ ምህላው ኸኣ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ። ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከባ ከተማታት፡ ጕዳይ ገዛ ኣልቦ ወይ ግዳም ሓደር ንዝዀኑ ሰባት ክብድሃ...
Latest releases
ቱር ዲ ፍራንስ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ሎሚ'ውን ቀዳማይ ብምውጻእ ‘ሃትሪክ’ ሰሪሑ
ቢንያም ግርማይ ንሳልሳይ ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ብዝዀነ ኣፍሪቃዊ ተመዝጊቡ ዘይፈልጥ ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊቡ።ንሱ፡ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኻየደ 12 መድረኻት ኣብ ሰለስተ መድረኻት ቀዳማይ ብምውጻእ ንዕኡ ንጋንታኡ፡ ንሃገሩን ንኣፍሪቃን ታሪኽ ኣግዚሙ።
ኣብ መዓስከር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምዋጭ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ ብዙሓት ቈሲሎም
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ብቐዳም ምሸት ከምኡ’ውን ሰኑይ ምሸት ብሰንኪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ ብሓፈሻ ልዕሊ 10 ሰባት ከም ዝተሃርሙ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ኡጋንዳ፡ ንሓደ ኤርትራዊ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም
ኣብ ኡጋንዳ፡ ከተማ ካምፓላ፡ ከባቢ ካባላጋላ፡ ንሓደ ኤርትራዊ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ ፖሊስ ‘ታ ሃገር፡ ሎሚ ሰሉስ 09 ሓምለ 2024 ሓቢሩ።
እስራኤል፣ ኣብ መንጎ ክልተ ጉጅለታት ኤርትራውያን ብዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን ሓደተቐቲሉ ካልእ ድማ ብኸቢድ ቆሲሉ
ኣብ እስራኤል፣ ደቡባዊ ከተማ ቴልኣቪቭ፣ ኣብ መንጎ ክልት ጉጅለታት ኤርትራውያን ኣብ ዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን፣ ሓደ ክቕተል እንከሎ ሓደ ድማ ብከቢድ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቡ ከምዘሎ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።