ኣብ ማእከል ባሕሪ ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከቡ ኤርትራውያንን ተጋሩን ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ይሓቱ
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከቡ ቆልዑን ደቂኣንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ሓቲቶም። እቶም ካብ ሊቢያ ክሰግሩ ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ዘጋጠሞም 32 ውጻእ-መዓት ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ኣብቲ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዝርከብ መደበር ጋዝ'ዮም ተዓቚቦም ዘለዉ። "ኣብ መላእ ዓለም ትርከቡ ሰማዕቲ ትግርኛ ኣሕዋትና፡ ኣብዚ ንሕና ብጥምየትን መከራን ቁርን ንመውት ኣለና" ክብሉ ብቪድዮ ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ ተማሕጺኖም።...
Latest releases
ኤርትራውያን ነበርቲ ኢትዮጵያ፡ ንመውጽኢ ቪዛ ክሳብ 4-ሽሕ ዶላር ከምዝኸፈሉ ይዛረቡ
ኣዲስ ኣበባ —ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ካብታ ሃገር ንምውጻእ ብኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ክሳብ 4-ሽሕ ዶላር ዝኸውን ክፍሊት ይሕተቱ ከም ዘለዉ ገሊፆም። ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም እቲ ክፍሊት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ከም ዝፈላለ ይገልፁ። እቲ ትካል ብወገኑ እቲ ዝተጠቐሰ ክፍሊት ንመውፅኢ ቪዛ ዘይኮነስ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ ፍቓድ ንዝነበሩሉ ጊዜ ዝተወሰነ መቅጻዕቲ እዩ ብምባል መልሲ ሂቡ ኣሎ።
'ብናህና ተበግሶ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣሕዋትና እንፍጽሞ ነገር የለን' - ኣብዪ ኣሕመድ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ "ንኢትዮጵያ ብሓይሊ ክወራ ዝኽእል ኣካል የለን፤ እንመተጺኡ ድማ ንምምካት እኹል ዓቕሚ ኣለና" ክብል ተዛሪቡ። ኣብ መግለጺኡ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን'ውን ተዛሪቡ'ሎ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምኡ ዝበለ፡ ሎሚ ሓሙስ 31 ጥቅምቲ 2024 ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተለዓሉ ሕቶታት መልስን መብርህን ኣብ ዝሃበሉ እዋን እዩ። ኣብቲ ዋዕላ ካብ ዝተሳተፉ ኣባለት እቲ ቤት ምኽሪ፡ ናብ’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሕቶ ከቕርቡ ዕድል ረኺቦም...
ምጥቃም ክሊ ኣየር ኤርትራ እንታይ ይብል?
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ኣየር ኤርትራ በረራ ከየካይድ ተኸልኪሉ ዝብል ሓበሬታ ጌጋ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰማያት ኤርትራ ከይበራ ከምዝተኸልከላ ዝገልጽ ወረ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ድሕሪ ምውጽኡ'ዩ ነቲ ሓበሬታ ሂቡ ዘሎ።እቲ መግለጺ፡ “መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብበዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኤርትራ ክሊ ኣየር ኤርትራ ክጥቀም ፍቓድ ከምዝተዋህቦን ክሊ ኣየር ኤርትራ ንስሩዕ በረራታት ይጥቀመሉ ከምዘሎን እናረጋገጽና፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝቐርብ ሓበሬታ ግጉይ ምዃኑ ንገልጽ” ይብል።
ሐደ ካብቶም ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ዘለዎ ዋህዮ ኣማኒኤል ብልማማ ነዝማሪኖ ትግራዊ ዶ በልካዮ...........
ሐደ ካብቶም ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ዘለዎ ዋህዮ ኣማኒኤል ብልማማ ነዝማሪኖ ትግራዊ ዶ በልካዮ ነስመራ ዕባይ ምስ ደቀባት ኤርትራ ጸብጺብካዮ ድጉል ኣጀንዳኻ ፍልስፍናኻ ቆሊኻ ብልዓዮ፣ ሎኽመኛ ሙሁር ኣማኒኤል ሳህለ ጉያ ካብ ሽወደን ንዓድዋ ንመቀለ እዚ ጽልኢ ካብምንታይ ከ ነቐለ፣ ውሕ ውሕ ከም ተናኻሲ ከልቢ ኣብ...