ሞሳድ ቅድሚ 40 ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጸሞ 'ምስጢራዊ' ስርሒት
ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ንወኪል ስለያ እታ ሃገር ሞሳድ ሓደ ሓሳብ የቕርብ። እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነበሩ ኣይሁድ [ቤተ-እስራኤላውያን] ብሕቡእ ኣውጺእኻ ናብታ ሃገር ንምውሳድ ዝግበር ምስጢራዊ ተልእኾ እዩ ነይሩ። በቲ ስርሒት ድማ ኣስታት ሸሞንተ ሽሕ ቤተ-እስራኤላውያን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ሰጊሮም ብድሕሪኡ ናብ እስራኤል ኣትዮም። እዚ ውጥን እዚ ካብ ዝትግበር 40 ዓመት ኮይኑ...
Latest releases
ደምዳሚ መግለጺ ስሩዕ ኣኼባ ግዝያዊ መሪሕነት ሰልፊ ሕዳሴ ኤርትራ ንፍትሒ
ግዝያዊ መሪሕነት ሰልፊ ሕዳሴ ኤርትራ ንፍትሒ ካብ 17 ክሳብ 23 መስከረም 2024 “ብሓድነትና፡ ናብ ዓወትና’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሱሩዕ ኣኬባኡ ኣካይዱ።
ኤርትራ፡ ሶማልን ግብጽን ጽኑዕ ምሕዝነት ኣለና ይብላ
ግብጺ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ሶማል ዝጀመረቶ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ፣ ተወሳኺ ኣጽዋር ከምዘእተወት ተሓቢሩ። እቲ ጸረ–ነፈርቲ፣ ድሩዓት መካይንን ከበድቲ ብረታትን ዘጠቓለለ ኣጽዋር ብዝሑ እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ካብቲ ዝሓለፈ ቅነ ናብ ሶማል ዝኣተወ ዝዛያደ ምዃኑ ‘ዩ ተጠቒሱ።
ሆላንድ፡ ኣብ ናዕቢ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ክሳብ 4 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ተፈሪዶም
ቤት-ፍርዲ ሆላንድ (ነዘርላንድስ) ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዘጋጠመ ጎንጺ ብዝተሓሓዝ ሎሚ ውሳነ ኣሕሊፉ። እቲ ኣብ 'ዴንሃኽ' (The Hague) ዝርከብ ቤት ፍርዲ ሎሚ ሰኑይ ዕለት 23 መስከረም 2024 ኣብ ዝነበሮ መጋባእያ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ዮሃንስ ኣብርሃ ዝርከብዎም ሰለስተ ኤርትራውያን ንዝቐረበሉ ክስታት ናይ ማእሰርቲ ብይን ሂቡ።
ኢትዮጵያ-ኤርትራ፡ ተዘክሮታት ኣቶ ኣማኒኤል ኣብራሃም
ሓደ መዓልቲ ኣቶ ኣማኒኤል፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ሃይለስላሰ ብዛዕባ ኤርትራ ዘረባ ሞሊቑዎም ኣሰር ኣብ ሓዊ ኣትዮም ነበሩ። እቲ "ጌጋ"፡ ከም ሓቂ ጌጋ ኣይነበረን። ብኣረኣእያ ንጉስ ግን ከም ጌጋ ስለ ዝተወስደ ኣቶ ኣማኒኤል ክቕጽዑ ናይ ግድን ነበረ። እዚ ጽሑፍ እዚ እምበኣር ኣብቲ ዛንታ ከተኩር እዩ።