ኣስመራ፡ ስምምዕ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ግብጺ፡ ሶማልያን ኤርትራን
መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልያን ብሓሙስ 10 ጥቅምቲ ኣብዘካየድዎ ስሉሳዊ ዋዕላ ብዛዕባ ሶማልያ፡ ሱዳንን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ተዘራሪቦም።ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ሃገር ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ግብጻዊ ፕረዚደንት ዓብደል-ፋታሕ ኣል-ሲሲ፡ ሶማላዊ መዘናኡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ንክልቲኦም ዘንግድ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን "ዞባዊ ምርግጋእ ንምስፋን ዘካይድዎ ጻዕርታት ንምውህሃድ...
Latest releases
ስዊዘርላንድ ምስ ኤርትራ ንምዝርራብ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክትልእኽ እያ
ስዊዘርላንድ ምስ ኤርትራ ንምዝርራብ በዓልስልጣን ርክባት ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትልእኽ ምዃና ኣፍሊጣ።
ስዊዘርላንድ: ኤርትራውያን ኣንጻር ‘ዓሌታዊ’ ውሳነ ባይቶ እታ ሃገር ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም
ሃገራዊ ባይቶ ስዊዘርላንድ ናይ ዑቕባ ሕተኦም ዝተነጽገ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክልእኽ ንዘሕለፎ ውሳኔ ዝቓውም ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።
ዝኽሪ መበል ሳላሳን ሰለስተን ዓመት ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ
ኤርትራ ሃገርና ልዑላውትን ናጻን ሃገር ካብ እትኸውን፡ እንሆ ሳላሳን ኣርባዕተን ሕስመ ዓመታት ኣቊጽራ ኣላ። ብክቡር ኩሉ ዓይነት መሪር መስዋእቲ፣ ሕሱም ስቃይ ስደት፣ ዛራ ንብዓት ጠዋሪ ዝሰኣኑ ወለድን ኣባዲ ዝተሓረሙ ዝኽታማት ህጻናትን ዝተገዝመት ኤርትራ፡ ህዝባ ብድሕሪ ናጽነት ዝዓጸዶ ኩሉ ዓይነት ሓሳረ መከራ ጸብጽብካ ነይውዳእ።
ታሪኽ 17 ሰነ 1876፡ ቅንጸላ ሚስዮናውያን ኣብ ዓዲ ቖንጺ
እቲ ዘበን፡ ደግያት ሃይሉን ራእሲ ወልደሚካኤልን ኣብ ሓይል ውድድር ዝተጸምድሉ፡ ሃጸይ ቴድሮስን ዮውሃንስን ንመረብ-ምላሽ ንምግዛእ ዝቆራቖሱሉ፡ ግብጻውያን ገዛእቲ ነቲ ጉዳይ ክምዝምዙ፡ ዉግእ ወኪ-ዱባ ኣብ ጥርዚ ዝበጽሓሉ እዋን እዩ ነይሩ።