ኣስመራ፡ ግብረመልሲ ኤርትራ ንመግለጺ ጀነራል ጻድቃን
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን "ኣብ ዝኾነ ህሞት ኲናት ክውላዕ" ከምዝኽእል ዝምጉት መግለጺ ሌ/ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ መርኣያ ናይቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝጋዋሕ ዘሎ ድሌት ኲናት'ዩ ክትብል ኤርትራ ግብረመልሲ ሂባ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ እቲ ጀነራል "ኣካል ናይቲ ብሓይሊ ንኤርትራዊት ወደብ ዓሰብ ንምጉባጥ" ዝህቅን ኣጀንዳ እዩ ክብል ነቒፉ። ኣባል ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኾነ ጀነራል ጻድቃን...
Latest releases
ደረጃ ብልሽውና 2024፡ ኤርትራ ንኣርባዕተ ሃገራት ጥራሕ ቀዲማ፡ ኢትዮጵያኸ?
ደረጃ ብልሽውና ሃገራት ዝዕቅን 'ኮራፕሽን ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል' ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ዓመተ 2024 ደረጃ ሃገራት፡ ግዕዝይና ኣብ መላእ ዓለም 'ሓደገኛ ዕንቅፋት' ኰይኑ ከም ዘሎ ገሊጹ። ኣብቲ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ካብ 180 ሃገራት 37 ነጥቢ ብምምዝጋብ መበል 99 ኣብ ዝተሰርዓትሉ፡ 13 ነጥቢ ብምርካብ መበል 173 ተሰሪዓ ዘላ ኤርትራ ድማ ሓንቲ ካብ ቀዳሞት 13 ብልሹዋት ሃገራት ኮይና ኣላ። ኣቦ መንበር ናይቲ ትካል ፍራንሱዋ ቫለርያን...
ብዛዕባ እታ ኣብ ሽወደን ዝተቐትለት ኤርትራዊት ኣደ እንታይ ንፈልጥ?
ኣብ ሽወደን ከተማ ኦረቡሮ ብሰሉስ 4 ለካቲት፡ ሪቻርድ ኣንደሽን ዝተባሃለ ወዲ 35 ዓመት መንስሰይ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ዝፈጸሞ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብታ ሃገር ከቢድ ስንባደ ምፍጣሩ ይዝከር። በቲ መጥቃዕቲ 10 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ፈጻሚ እቲ ገበን'ውን ከምዝተቐተለ ኣብ እዋኑ ተሓቢሩ ነይሩ። ፖሊስ፡ እቶም ዝተቐተሉ ሰባት ሸውዓት ደቂ ኣንስትዮን ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮን ኮይኖም ዕድሚኦም ካብ 28 ክሳብ 68 ከምዝኰነ'ዩ ኣብ መጀመርታ ገሊጹ። እቲ ቤት ትምህርቲ ዕድሚኦም ካብ 20 ዓመት...
ኤርትራ፡ ክንዮ ፈንቅል ዝነበረ ባህጊን ትጽቢትን
እዚ ሰሙን ቅንያት፡ መበል 35 ዓመት ጽንብል ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል እዩ። እዚ እዋን ከኣ እቲ ንሓርነት ሰምሃርን ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕን ዝተኸፍለ ከቢድ ዋጋን ኣብቲ ዓውደ ውግእ ዝተራእየ 'ቈራጽነትን ጀግንነትን ኤርትራውያን ተቓለስቲ'፡ ብደርፍን ሙዚቃን ድራማን ትልሂትን ክግለጽ ቀንዩ'ሎ። ኣብ ተሌቪዥን ኤርትራ ይዅን ሓያለ ቻነላት ኤርትራውያን ነቲ ስርሒት ዘንጸባርቕ ዛንታት ክትረኻ ቀንየን ኣለዋ። ኣብ 1977 ዝነበረ ገስጋስ ሰውራ ኤርትራ፡ ንሓያሎ ከተማታት ተቘጻጺሩ፡ ህዝባዊ ግንባር ድማ ብዘይካ ናቫል በይዝ፡ ወደብን ርእሲ ምድርን...