ፈላሚ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ቀዳማይ ኣትዩ
ትማሊ ብፕሮሎግ ዝጀመረ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ሎሚ ቀዳማይ መድረኽ ኣብ ዘካየደሉ: ሄኖክ ምሉእብርሃን ብቅጽበታዊ ውድድር ተዓዋቲ ቀዳማይ መድረኽ ኮይኑ። እዛ መድረኽ ካብ ከተማ ሩኮሞ ናብ ካዮንዛ 157.8 ኪሎ ሜተር ትዝርጋሕ ኮይና፡ ካብዘን ሎሚ ዓመት ዝተሰርዓ እታ ዝነውሐት'ያ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ውድድር ተቐዳደምቲ 2019 ሜትሮ ብራኸ'ዮም ሓዂሮም። ኣብዛ መድረኽ ኣብ መበል 32.3 ኪሎ ሜተር ናይ ዓቐበት፡ ኣብ መበል 72.6 ኪሎሜተር ከምኡ'ውን...
Latest releases
ኣዲስ ኣበባ፡ ንኤርትራውያን ዘነጻጸረ ጽዑቕ ግፋ ንካልኣይ ሰሙኑ ይቕጽል
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝጀመረ ግፋ ኤርትራውያን፡ ብጹዑቕ ይቕጽል ኣሎ።ኤርትራውያን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ንራድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘነጻጸረ ግፋ፡ ክካየድ እዚ ናይ መጀመርያ እዋኑ ከምዘይኮነ ኣረጋጊጾም።ዕላማ እቲ ኤርትራውያን ብብዝሒ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ንጹር ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ፡ ሸርፊን ካልእን ንዝተዋፈሩ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ብስቕታ ክዕዘብዎም ከምዘይኮኑ ንባይቶ እታ ሃገር ድሕሪ ዝሃቦ መግለጺ ይካየድ ምስ ምህላዉ፡ እቲ ንኤርትራውያን ዘነጻጸረ ግፋ ምስኡ ዝተተሓሓዘ...
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ምንቅስቓሳት ምብራቕ ሱዳን ኣብ ድሕነት ሱዳን ክዋስኣ ደገፉ ገሊጹ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ምንቅስቓሳት ምብራቕ ሱዳን ኣብ ድሕነት ሱዳን ክዋስኣ ደገፉ ከምዝገለጸለን ተሓቢሩ።እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፣ ዋና ጸሓፊ ስሙር ግንባር ንሓርነትን ፍትሒን ሱዳን፣ ዳውድ ኣል ኣሚን ማሕሙድ፣ ዝመርሖም ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ምብራቕ ሱዳን፣ ብሰንበት 10 ሕዳር፣ ኣብ ዓዲ ሃሎ ተቐቢሉ ኣብ ዘዘረራበሉ እዋን‘ዩ። ንዝተፈላለያ ዕጡቓትን ምንቅስቓሳትን ምብራቕ ሱዳን ዝሓቖፈ፣ ስሙር ግንባር ንሓርነትን ፍትሒን ሱዳን፣ ድሕሪ‘ቲ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝገበሮ ርክብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣...
ኤርትራ፡ ንልዕሊ 23 ዓመታት ዝተኣስረ ጋዜጠኛ ሽልማት መሰል ተዓዊቱ
ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ብዘይፍርዲን ንኵነታቱ ዝገልጽ ሓበሬታን ንልዕሊ 23 ዓመታት ተሓይሩ ዝርከብ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፡ ንናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ብዝገበሮ ተወፋይነት፡ ሽልማት ሰብኣዊ መሰላት ሽወደን - “ኤደልስታም” ከምዝተዋህቦ ሽማግለታት እቲ ፋውንዴሽን ገሊጾም። ዳዊት፡ ኣባል ቦርድ ምስንዳእ ብሕታዊት ጋዜጣ ሰቲት ዝነበረ ኰይኑ፡ ዜግነት ሽወደን ዝነበሮ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ፈለማ 2000፡ ኣብ ኤርትራ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲን ኣባላት ባይቶን ድሕሪ ዝጀመርዎ ብጕጅለ-15 ዝፍለጥ...
ኤርትራ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ 6ይ ፓትሪያርክ ክሸይም ከምዝመደበ ኣፍሊጡ
ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤትክርስትያን ኤርትራ 6ይ ፓትሪያርክ ክሸይም ከም ዝመደበ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ብ 6 ጥቅምቲ 2024 ዝወጸ መግለጺ፡ ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሉ እውን ዝተዘርግሐ ኰይኑ፡ ቢቢሲ ነታ ቤተክርስትያን ቅርበት ዘለዎም ሰባት ተወኪሱ ወግዓዊ መግለጺኣ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። እቲ መግለጺ፡ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ሲኖዶስ ካብ ትተክል ኣትሒዛ፡ “ኣብዚ ቅዱስ መንበር ተሸይሞም ንቤተክርስትያን ዝመርሑ ሓሙሽተ ፓትሪያርካት ኣብ ገግዚኡ ተመሪጾም ክሽየሙ ከምዝገበረ” ኣዘኻኺሩ።