ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኤርትራን ኣፍደገ ባሕርን እንታይ'ዩ ኢሉ?
ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምምሕያሽ ዝተገብረ ጻዕርታት ከም ዝፈሸለ ገሊጹ። ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ንኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኤርትራ ንሃገሩ ኣፍደገ ባሕራ ክትከፍተላ ድልውቲ ከም ዘይኰነት'ውን ኣሚቱ። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዘድልያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዘሎ ኵነታት ጸጥታ ከም ዘስግኣን ዝገለጸ እቲ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኵነታት ንምግጣም ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ...
Latest releases
ኤርትራ ሕብረት ኣውሮጳ ዘንበረላ እገዳ ክናዋሕ ምውሳኑ ኰኒና
ኤርትራ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ንዘንበረላ እገዳ እንደገና ከናውሖ ምውሳኑ ብትሪ ኰኒና።ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳን፡ በልጂም፡ ነዘርላንድን ላክሰንበርግን፡ ኣብ ብራስለስ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምንዋሕ ናይቲ እገዳታት "ዘይምኽኑይ ተጻብኦ ኣንጻር ኤርትራ'ዩ" ክብል ነቒፉ።
ኤርትራ፡ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለኣ ካበይ ናበይ?
ኣብ ኤርትራ ኣብ 40’ታት፡ 50’ታት፡ 60’ታት ዝነበረ ህይወት፡ ብሓፈሻዊ መልክዓቱ ምስ ዝልካዕ፡ ምስዚ ሕጂ ሰፊኑ ዘሎ ህይወት ኣይመጣጠንን’ዩ ዝብሉ ብዙሓት ምሁራን ዜጋታት ኣለዉ።
ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ገጣሚን ሃይለ ቢዘን፤ ካብ ማሕበር ጸሓፍቲ ኖርወይ ስልማት ተቐቢሉ
ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ገጣሚን ሃይለ ቢዘን፤ ናይ’ዚ ዓመት ብሉጽ ጸሓፋይ ተባሂሉ ካብ ማሕበር ጸሓፍቲ ኖርወይ ስልማት ተቐቢሉ።
ኤርትራ፡ 'ብዓይነቱ ፍሉይ' ማእሰርቲ ወንጌላውያን ኣመንቲ ይፍጸም ኣሎ
ሰብመዚ ጸጥታ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ናይተን ዝተኣገዳ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ከካይድዎ ዝጸንሑ ማእሰርቲ ይቕጽልዎ ከምዘለዉ ተሓለቕቲ ሓቢሮም። እቶም ኣብዚ ወርሒ'ዚ ኣብ ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓንሰባን ጋሽ-ባርካን ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ካብ ገዛውቶም ዝተወስዱ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ። ሓደ...