Migrants are sleeping outside one of London's best known landmarks in new crisis
Migrants are camping outside one of Britain’s most famous landmarks as the small boat crisis intensifies, the Daily Express can reveal. Around 50 people – mainly from Eritrea – are sleeping rough over...
Latest releases
ኤርትራ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ 6ይ ፓትሪያርክ ክሸይም ከምዝመደበ ኣፍሊጡ
ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤትክርስትያን ኤርትራ 6ይ ፓትሪያርክ ክሸይም ከም ዝመደበ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ብ 6 ጥቅምቲ 2024 ዝወጸ መግለጺ፡ ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሉ እውን ዝተዘርግሐ ኰይኑ፡ ቢቢሲ ነታ ቤተክርስትያን ቅርበት ዘለዎም ሰባት ተወኪሱ ወግዓዊ መግለጺኣ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። እቲ መግለጺ፡ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ሲኖዶስ ካብ ትተክል ኣትሒዛ፡ “ኣብዚ ቅዱስ መንበር ተሸይሞም ንቤተክርስትያን ዝመርሑ ሓሙሽተ ፓትሪያርካት ኣብ ገግዚኡ ተመሪጾም ክሽየሙ ከምዝገበረ” ኣዘኻኺሩ።
ንኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ዘዘራርብ ዘሎ 'ናብ ርሕሚ ዝኣቱ እምኒ' እንታይ ንፈልጥ?
ኣብ ቀረባ ሰሙናት፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ‘ጃዴ ስቶንስ’ ወይ 'ዮኒ ኤግስ'ን ካልእን ብዛዕባ ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣእማን ተላዒሉ ዝቐነየ ልዑል ክትዓት ኣሎ። ገሊአን፡ ረብሓታት እዞም ኣእማን’ዮም ዝበላኦም ሳይንሳዊ ድርኺት ዘይብሎም ረብሓታት ብምርቋሕ፡ ንኣጠቓቕማኡ ዝምልከት መምርሒታት ክህባ ቢቢሲ ተዓዚቡ ኣሎ። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ድማ፡ ኣብዚ ጉዳይ ባህላዊ፡ ሃይማኖታውን ጥዕናውን ስግኣታት ብምልዓል ክፈጥሮ ኣብ ዝኽእል ማሕበራዊ ነውጺ ስክፍታኦም የልዕሉ ኣለው።
‘ካብ ባይቶና ባይቶ ኣመሪካ’ዩ ዝያዳ ዝጸልወና...’ - ዶ/ር ፍትሒ ዓንዶም ብኸመይ ተንቲናቶ?
ኣብዚ እዋን ኣቓልቦ መላእ ዓለም ጸሚዱ ዘሎ መረጻ ኣመሪካ፡ ዝተፈላላያ ሃገራትን ህዝብታትን በብናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓታትን ኣገዳስነትን ይርእይዎን ውጽኢቱ ይጽበዩን ኣለዉ። ኣብዚ ዓለም ብከቢድ ፖለቲካዊ-ቍጠባ፡ ወተሃደራዊን ጸጥታውን ይዅን ክሊማዊን ሰብኣዊን ቅልውላዋት ትሕመሰሉ ዘላ እዋን፡ እታ ርእሰ ሓያል ዝዀነት ኣመሪካ ብዘለዋ ገዚፍ ተራን ጽልዋን እትመርጾ ፕረዚደንት ወሳኒ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግለጽ። ብፍላይ ንዓለም ከቢድ ዝሃሰየ ኵነታት ሩስያ-ዩክረይን፡ ዝሰዓቦ ጉዳይ እስራኤል-ፍልስጤም ዝመበገሲኡ ቅልውላው ማእከላይ...
መረጻ ኣመሪካ 2024፡ ትራምፕዶ ካማላ - ንኤርትራ መንኦም ዝያዳ የገድስ?
ኣመሪካውያን ሎሚ 5 ሕዳር ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት ዝመርሖም ፕረዚደንት ዝመርጹላ ናይ መወዳእታ መዓልቲያ። ኣመሪካ ኣብ ዓለም ዓብላሊት ሃገር ከም ምዃና መጠን፡ ሃገራት ዓለም መን እንታይ ጽልዋ ይህልዎ? ብነናተን ኣጠማምታ ክገልጻኦ ይስማዓ’የን። እዚ ሕቶ’ዚ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኡ ኣቢልና ከኣ ናብ ኤርትራ ምስ እነምጽኦ፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ኣረኣእያ’ዩ ዘለዎም። ተንታኒ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሃሽም ኣመሪካ ምስ ቃልሲ ግብረ ሽበራውያን ኣብ ዝተሓሓዝ’ምበር ንሃገራት...