ሓድሽ ማዕበል ተቐዳደምቲ ኣፍሪቃ፡ ካልኣይ 'ቢንያም ግርማይ' ይፈጥርዶ ይኸውን?
ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ ሚልክያስ ማእከለ፡ ኣብ ኮንቲነንታል ጋንታ ንመጀመርትኡ ደኣ ይጸንበር'ምበር፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሉ ዝተፈለላየ ውድድራትን ዓወታትን ተጐናጺፉ እዩ። ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር 'ግራንድ ፕሪክስ ላ ቢለ' ብዘደንቅ ቅጽበታዊ ውድድድር ምስ ተዓወተ፡ ኣብ ሽኳ ዘለዎ ብቕዓት ዝተዓዘቡ ብዙሓት ሰባት ምስቲ ኣብ 2024 ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ዙር ፈረንሳ ክኸውን ዝኸኣለ ቢንያም ግርማይ ከመሳስሉዎ...
Latest releases
ብሪጣንያ፡ ኣብ ሸዊት ዕድሚኡ ዝተቐትለ ኣሜን ተኽላይ
ሓደ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛ መንእሰይ ብዝተፈጸመሉ መጥቃዕቲ ከምዝሞተ ሰብመዚ ጸጥታ ብሪጣንያ ሓቢሮም። ወዲ 15 ዓመት ኣሜን ተኽላይ ብረቡዕ ምሸት'ዩ ኣብታ ኣብ ስኮትላንድ ትርከብ ከተማ ግላስጎ ብኸቢድ ቆሲሉ ተረኺቡ። ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ ወሃብቲ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምድሓኑ ዝገበርዎ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተን ኣብ ቦታ ፍጻመ ሞቱ ከምዝተረጋገጸን ፖሊስ ስኮትላንድ...
እስራኤል ኤርትራውያን ንምስጓግ ቀዳማይ እማመ ኣጽዲቓ፣ ኣምነስቲኸ እንታይ ኢሉ?
ፓርላማ እስራኤል፡ ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ዓዶም "ንስርዓት ሃገሮም" ዝድግፉ ኰይኖም እንተ ተረኺቦም፡ ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ዘኽእል ዝቐረበ ቀዳማይ እማመ ሰሚዑ ኣጽዲቑ ክብላ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን። እቲ 'ክነሰት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፓርላማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ "ንስርዓት ሃገሮም" ዝድግፉ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ሃገሮም ንምስጓግ ዘኽእል ንዝቐረበሉ እማመ ከም ዘጽደቐ ይፍለጥ።
ደቡብ-ሱዳን፡ ስግኣት ኲናት ኣሎ - ርእይቶ ኤርትራውያን ኣብዚ ጉዳይ
ኣብ ደቡብ-ሱዳን ከተማ ጁባ ብዙሓት ላዕለዎት ሰበስልጣን ብምእሳሮም ወጥሪ ከም ዝነገሰን እቲ ውዕል ሰላም ፈሪሱ ናብ ኲናት ከየምርሕ ስግኣት ከም ዝፈጠረን ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ጁባ ዝርከብ መንበሪ-ቤት ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻር ንሓደ ለይቲ ብሰራዊት ሱዳን ተኸቢቡ ከም ዝሓደረ ተፈሊጡ ኣሎ። እዞም ተኣሲሮም ዘለዉ፡ ኣባላት ናይቲ ብምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻር ዝምራሕ ተቓዋሚ ሓይሊ እዮም። እዛ ሓዳስ ሃገር፡ ኣብ 2011 ናጽነታ ምስ ረኸበት፡ ኣብ ካልኣይ ዓመታ እያ ኣብ ታሕሳስ 2013 ናብ...
ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣብ ኣፍ ሞት ዝጸንሑ ስደተኛታት ረዳኢት መርከብ ረኺቦም
እቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደገኛ ኵነታት ዝጸንሑ ቈልዑን ደቀንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ትረድኦም መርከብ ረኺቦም። እዞም ካብ ሊብያ ክሰግሩ ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ዘጋጠሞም 32 ውጻእ-መዓት ዝዀኑ ስደተኛታት፡ ኣብቲ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዝርከብ መደበር ጋዝ ተዓቚቦም ህጹጽ ረዲኤት ክረኽቡ ክምሕጸኑ ዝቐነዩ'ዮም። ...