ኤርትራ ግዳይ እገዳ መገሻ ኣመሪካ ዝዀነትሉ ቀንዲ ምኽንያታት እንታይ'ዩ?
ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝመጽእ ሰኑይ ግብራዊ ዝኸውን ሓድሽ እገዳ መገሻ ኣንቢሩ ከም ዘሎ ዋይት ሃውስ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ካብ ኣፍሪቃ፤ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ሊብያ፡ ጫድ፡ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ኢኳቶርያል ጊኒን ክህሉዋ እንከለዋ፡ የመን፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሚያንማር፡ ሀይቲን ኢራንን ድማ ተወሰኽቲ ኣብቲ ዝርዝር ዘለዋ ሃገራት እየን። ብኸፊል እገዳ ዝተነብረለን ካልኦት ሸውዓተ ሃገራት'ውን ኣለዋ። ዶናልድ ትራምፕ ነዘን 12 ሃገራት ምሉእ እገዳ...
Latest releases
ኤርትራን ሳዋን፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ከምዚ እዋን
ቅድሚ 30 ዓመት፡ ልክዕ ከምዚ እዋን፡ ስታድዩም ኣስመራ፡ ገና ብንግሆኡ፡ ካብ ፈቐዶ ኵርናዓት እታ ከተማ፡ ሃገራዊ ጻውዒት ክምልሱ ብዝውሕዙ መንእሰያት አዕለቕሊቓ ኔራ። እቶም ኣወዳትን ኣዋልድን መንእሰያት፡ ገሊኦም ብመካይን፡ ገሊኦም ብሚኒባሳት፡ ዝበዝሑ ከኣ ብኣጋር፡ ሳናጡኦም ተሰኪሞም፡ ብስድራ ቤቶም፡ ኣዝማዶም፡ ኣዕሩኽቶምን መማህርቶምን ተዓጂቦም እናሰሓቑን እናተጫረቑን ኣብቲ ቀጽሪ ተኣኻኸቡ።
ብቓንዛ ዝተጐብአ ትጽቢት ስድራቤታት፡ ዛንታ'ታ ብዘይ ሰዳድ ወረ ዝተሸርበት ‘ሰራም’ ጃልባ 2014
ክረምቲ 2014 እዩ ነይሩ - ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት። ቀዝሒ ኣውሮጳ ክሓልፈሎም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ክጽበዩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ደቡብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ምሽብሻብ ነበሩ።
ኣስመራ ንዓወት ቢንያም ትጽንብል
ኣስመራ —ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ብዘርእዮ ዘሎ ዓወት፡ ኣብ ኤርትራ ብዓቢ ጽንብል ፈጢሩ ኣሎ። ድሕሪ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራ፡ ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ዓወት ቢንያም፡ ህዝቢ ብሓንሳብ ናብ ጎደናታት ብምውሓዝ ክጽንብል ቀንዩ ኣሎ።
ቱር ዲ ፍራንስ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ሎሚ'ውን ቀዳማይ ብምውጻእ ‘ሃትሪክ’ ሰሪሑ
ቢንያም ግርማይ ንሳልሳይ ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ብዝዀነ ኣፍሪቃዊ ተመዝጊቡ ዘይፈልጥ ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊቡ።ንሱ፡ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኻየደ 12 መድረኻት ኣብ ሰለስተ መድረኻት ቀዳማይ ብምውጻእ ንዕኡ ንጋንታኡ፡ ንሃገሩን ንኣፍሪቃን ታሪኽ ኣግዚሙ።