ኤርትራ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ብቐዋምነት ክዕጾ እማመ ቀሪቡ
ሓድሽ ምምሕዳር ትራምፕ ብዝገብሮ ዘሎ "ሰፊሕ ውጥን ምጕዳል ወጻኢታት መንግስቲ፡" ብቐዋምነት ክዕጸዉ ካብ ዝቐረቡ ዓሰርተ ተልእኾታት ዲፕሎማሲ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲ እታ ሃገር ሓደ ካብቶም ክዕጸዉ ዝተወጠኑ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ፖለቲኮ ኣቃሊሑ። እዚ ድማ ኣብ ጉዳይ ዲፕሎማስያዊ ኵነታት ኣመሪካ፡ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ስክፍታታት ከም ዘለዓዓለ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ፖለቲኮ ዘቃልሖ ምስጢራዊ ሰነድ ዝምንጩ እማመ፡ እቲ ዕላማ ባጀት ክፍሊ ጉዳያት...
Latest releases
ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ግዳይ ዝዀኑሉ 'ባርዕ ግረንፈል' ሕጂ ኸ ንምንታይ የካትዕ ኣሎ?
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሓደጋታት፡ እቲ ኣብ ሰነ 2017 ኣብ ምዕራብ ለንደን ዘጋጠመን ንግረንፈል ታወር ዘዕነወን ባርዕ ይጥቀስ፤ እቲ ሓደጋ 72 ህይወት ዝቐዘፈ እዩ። ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን እቶም ዝያዳ ዝተጐድኡ ማሕበረሰባት ከምዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ካብ ክልቲኡ ሕብረተሰብ ልዕሊ ፍርቂ ህጻናት ዝርከቡዎም 12 ሰባት ሞይቶም እዮም። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ጠንቂ እቲ ባርዕ ብዙሕ ከዘራርብን ምጽራይ ክግበረሉን ጸኒሑ እዩ። ...
ኣስመራ፡ ፍሉይ ልኡኽ ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ
ፍሉይ ልኡኽ ስዊዘርላንድ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኣስመራ ዝኣተወ ኣምባሳደር ሲልቨይን ኣስቴር ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ ብምርኻብ ተዘራሪቡ'ሎ። ምብጻሕ ናይቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ሃገሩ ምስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝተሓሓዝ ንኤርትራ ትህቦ ዝነበረት ደገፍ ደው ከተብሎ ድሕሪ ምውሳና'ዩ ዝካየድ ዘሎ።
ስዊዘርላንድ፡ ኤርትራ ንዝተነጽጕ ዜጋታታ ምቕባል ብምእባያ ሓገዝ ከተቋርጽ ወሲና
ስዊዘርላንድ፡ ብሰንኪ'ቲ ምስ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሓተትቲ ዕቝባ ስደተኛታት ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ ነታ ሃገር እትገብሮ ዝነበረት 'ልምዓታዊ ሓገዝ' ክቋረጽ ከም ዝወሰነት ኣፍሊጣ። ስዊዘርላንድ፡ እቶም ብዝተፈላለየ መገዲ ናብታ ሃገር ብምእታው ሕቶ ዕቝባ ኣቕሪቦም ዝተነጽጕ ኤርትራውያን፡ ናብ ሃገሮም ክምለሱን ኤርትራ ክትቅበሎም ፍቓደኛ ብዘይምዃናን እያ ናብዚ ውሳነ ከም ዝበጽሐት ገሊጻ...
ኣባል ኤምባሲ ሊብያ ኣብ ኤርትራ 160 ሽሕ ዶላር ብምጥፍፋእ ተቐይዱ
ኣባል ኤምባሲ ሊብያ ኣብ ኤርትራ፣ 160 ሽሕ ዶላር ብምጥፍፋእ። ብ16 ጥሪ፣ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ንቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን። እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ፣ ተቖጻጻሪ ሕሳብ ምንባሩ ዝተገልጸ ኣባል ኤምባሲ ሊብያ፣ ናይ ሓሶት ናይ ሕሳብ መዛግብቲ፣ ቅብሊታትን ካልእ ወረቓቕቲን ብኽታሙ እናገበረ፣ ነቲ...