ኤርትራ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ብቐዋምነት ክዕጾ እማመ ቀሪቡ
ሓድሽ ምምሕዳር ትራምፕ ብዝገብሮ ዘሎ "ሰፊሕ ውጥን ምጕዳል ወጻኢታት መንግስቲ፡" ብቐዋምነት ክዕጸዉ ካብ ዝቐረቡ ዓሰርተ ተልእኾታት ዲፕሎማሲ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲ እታ ሃገር ሓደ ካብቶም ክዕጸዉ ዝተወጠኑ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ፖለቲኮ ኣቃሊሑ። እዚ ድማ ኣብ ጉዳይ ዲፕሎማስያዊ ኵነታት ኣመሪካ፡ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ስክፍታታት ከም ዘለዓዓለ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ፖለቲኮ ዘቃልሖ ምስጢራዊ ሰነድ ዝምንጩ እማመ፡ እቲ ዕላማ ባጀት ክፍሊ ጉዳያት...
Latest releases
ሊብያ፣ ተጨውዮም፣ ነፈሲ ወከፎም 10 ሽሕ ዶላር ክኸፍሉ ክሕተቱ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ሓራ ወጺኦም
ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ፣ ብደላሎን ኣሰጋገቲ ደቂሰብን ተታሒዞም ዝጸንሑ፣ ብዙሓት ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም 263 ስደተኛታት ሓራ ከምዘውጽኡ ኣፍሊጦም።እቶም ኣል ዋሓት ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ቁሸት ኣጅኻራ፣ ተታሒዞም ዝጸንሑ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ብዘካየድዎ ስርሒት፣ ብረቡዕ 29 ጥሪ፣ ሓራ ከምዝወጽኡ‘ዩ ተሓቢሩ። ገሊኦም ካብቶም ዝተጨውዩ ስደተኛታት ንልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ ተታሒዞም ዝጸንሑ ኮይኖም፣ እቶም ጨወይቲ ንነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ...
ሕጕሳት ህዝቢ ዘለወን 10 ብሉጻት ሃገራት፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን'ከ?
ጋሉፕ ዎርልድ ፖል፡ ዓመታዊ ብመሰረት ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ዝእክቦም መረዳእታታት፡ ኣብ ዓለምና እተን ሕጕሳት ነበርቲ ዘለወን ሃገራት ብዓል መን ከም ዝዀና ይግምግም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ'ውን ናይ 2024 ጸብጻብ ሓጐስ ዓለም (World Happiness Report) ወጺኡ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ዝቐረቡ ጸብጻባት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝተሰርዐት ሃገር ሕጂ'ውን ደረጃኣ ዓቂባ ኣላ። ብሓፈሻ ግን ኣብ ዝርዝር ብሉጻት 10 ሃገራት ገለ ለውጢታት ተራእዩ'ሎ።
ታሪኽ ተቓውሞታት ኣብ ኤርትራ
ኣብ ኤርትራ: ካብቲ "መንግስታዊ መስመር" ዝተፈለየ ሓሳብ ምስማዕ ወይ ተቓውሞ ምግላጽ ክልኩል እዩ። ይዅን እምበር ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብርክት ዝበሉ ተቓውሞታት ተኻይዶም'ዮም። ገለ ካብኡ ብኣድማ ተጋደልቲ ዝፍለጥ፡ ተቓውሞ 20 ግንቦት 1993፣ ተቓውሞ ስንኩላን ኲናት - ሓምለ 1994፡ ሕቶ ለውጢ ጕጅለ 15 ኣብ - ነሓሰ 2001፡ ሕቶ ለውጢ ወዲ ዓሊን ብጾቱን - 21 ጥሪ 2013፡ ተቓውሞ ኣንጻር ምህጋር ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ - ጥቅምቲ 2017 እናተባህለ ክግለጽ ይከኣል።
ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰሳ
ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ምብራቕ ኣፍሪቃን ዝርከቡ መንግስታት፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ሰብአዊ ግህሰት ከም ዝፍጽሙ፡ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስዎች ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ልሳን ነቐፍቶም ንምዕባስ ከም ኣጽዋር መጥቃዕቲ ይጥቀሙ ከም ዘለዉ ሓቢሩ። ሂዩማን ራይትስዎች፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሱዳንን ኬንያን ዝርከቡወን ኣብ 25 ሃገራት ኣፍሪቃ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ 100 ሃገራት ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ገምጊሙ ኣሎ። ዝሓለፈ ዓመት...