ዓሰብ፡ ኵነታት ናይተን ኤርትራ ዝሓዘተን መራኽብ ኣዘርባዣንን ኣባላተንን
ኤርትራ ዝሓዘተን መራኽብ ኣዘርባዣን ሕጂ'ውን ኣብ ቀይዲ ከም ዝርከባ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢሮም። እተን ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ተታሒዘን ዘለዋ መራኽብ ብዘይፍቓድ ናብ ልኡላዊ ማያት ኤርትራ ብምእታወን'የን ተታሒዘን። ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎ ትረንድ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ከም ዝሓበሮ፡ እተን መራኽብን ኣባላተንን ክሳብ ሎሚ ኣይተለቐቓን። እዘን ባንዴራ ኣዘርባዣን ዝሰቐላ ሲ-ኤም-ኤስ ፓህላቫን፡ ሲ-ኤም-ኤስ ኢጊድን ሲ-ኤም-ኤስ-3ን ዝብሃላ መራኽብ ብሓደ...
Latest releases
ብዛዕባ እታ ኣብ ሽወደን ዝተቐትለት ኤርትራዊት ኣደ እንታይ ንፈልጥ?
ኣብ ሽወደን ከተማ ኦረቡሮ ብሰሉስ 4 ለካቲት፡ ሪቻርድ ኣንደሽን ዝተባሃለ ወዲ 35 ዓመት መንስሰይ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ዝፈጸሞ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብታ ሃገር ከቢድ ስንባደ ምፍጣሩ ይዝከር። በቲ መጥቃዕቲ 10 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ፈጻሚ እቲ ገበን'ውን ከምዝተቐተለ ኣብ እዋኑ ተሓቢሩ ነይሩ። ፖሊስ፡ እቶም ዝተቐተሉ ሰባት ሸውዓት ደቂ ኣንስትዮን ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮን ኮይኖም ዕድሚኦም ካብ 28 ክሳብ 68 ከምዝኰነ'ዩ ኣብ መጀመርታ ገሊጹ። እቲ ቤት ትምህርቲ ዕድሚኦም ካብ 20 ዓመት...
ኤርትራ፡ ክንዮ ፈንቅል ዝነበረ ባህጊን ትጽቢትን
እዚ ሰሙን ቅንያት፡ መበል 35 ዓመት ጽንብል ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል እዩ። እዚ እዋን ከኣ እቲ ንሓርነት ሰምሃርን ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕን ዝተኸፍለ ከቢድ ዋጋን ኣብቲ ዓውደ ውግእ ዝተራእየ 'ቈራጽነትን ጀግንነትን ኤርትራውያን ተቓለስቲ'፡ ብደርፍን ሙዚቃን ድራማን ትልሂትን ክግለጽ ቀንዩ'ሎ። ኣብ ተሌቪዥን ኤርትራ ይዅን ሓያለ ቻነላት ኤርትራውያን ነቲ ስርሒት ዘንጸባርቕ ዛንታት ክትረኻ ቀንየን ኣለዋ። ኣብ 1977 ዝነበረ ገስጋስ ሰውራ ኤርትራ፡ ንሓያሎ ከተማታት ተቘጻጺሩ፡ ህዝባዊ ግንባር ድማ ብዘይካ ናቫል በይዝ፡ ወደብን ርእሲ ምድርን...
ኣዘርባዣን፡ ቤተሰብ ኤርትራ ዝሓዘቶም ባሕረኛታት ተቓውሞ የካይዱ
ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዘለዉ ኣዘርባዣናውያን ባሕረኛታት ክፍትሑ ቤተሰቦም ጸዊዖም። መንግስታዊ ትካል ፕረስ ኣዘርባዣን ከምዝበሎ፡ ስድራቤት ናይቶም ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ኤርትራ ከምዘለዉ ዝንገረሎም ባሕረኛታት ብዛዕባ ኩነታቶም ርጡብ ሓበሬታ ክወሃቦም ንምጥላብ'ዮም ኣብ ርእሰከተማ ባኩ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም። ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር ሰለስተ መራኽብ ኣዘርባዣን "ብሰንኪ ዘጋጠመን ሕማቕ ኵነታት ኣየር ናብ ልኡላዊ ማያት ኤርትራ" ድሕሪ ምእታወን ብሓለዋ ባሕሪ ኤርትራ ከምዝተታሕዛ ይግለጽ። ኣብተን መራኽብ ዝነበሩ 18 ኣዘርባዣናውያን...