ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፡ ንዕድል ኤርትራ ዝቐየረ ኣካል
ኣብ ታሪኽ ኤርትራ 1941 መቐይሮታት ዘተኣታተወት ዓመት ነበረት። እንግሊዝ ንጣልያን ስዒሩ ንኤርትራ ዝኣተወሉ፡ መንቋሕቋሕታ ዝነበሮም ዜጋታት ብሃገራውነት ተደሪኾም ንባህግታት ናጽነት ክዅስኵስሉ ዝጀምርሉ ዓመት ነበረት። ሽዑ'ዩ 'ማሕበር ፍቕሪ ሃገር' ብ5 ግንቦት 1941 ኣብ ኣስመራ ዝተመስረተ። ሃጸይ ሃይለስላሴ ከኣ ንኤርትራ ንምቍጽጻር ዝነበሮም ባህጊ ተግባራዊ ንምግባር ጻዕሮም ዝጀመሩላ ዓመት ነበረት። ብሓጺሩ፡ ምንቅስቓሳት ንናጽነት ወይ ከኣ...
Latest releases
ፖሊስ ለንደን፡ ‘ብገበን ዕግርግር ዝተጠርጠሩ’ ኤርትራውያን ይሃድን ኣሎ
ብ30 ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ካምበርወል ደቡብ ለንደን ኣብ ዝተፈጥረ ባእስን ዕግርግርን ብገበን ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ይድለዩ ከምዘለዉ ፖሊስ ኣፍሊጡ። እቲ ትማሊ ዝተዘርግሐ፡ ነዞም ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምውዓሎም ምትሕብባር ህዝቢ ዝጽውዕ መግለጺ ፖሊስ፡ ኣብቲ ዕግርግር፡ ልዕሊ 100 ሰባት - ገሊኦም መሳርያታት ኣባትርን ካልእን ዓጢቘም ነቲ ኣዳራሽ - ላይትሃውዝ ከምዘጥቅዑ...
ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ኣብ ኢጣልያ ብኸመይ ነጻ ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ይኽእሉ?
ብዙሓት መንእሰያት ተምሃሮ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሒዞምዎ ዝዓብዩ፡ ብትምህርትን ሞያን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ምብጻሕ ድሌትን ሃረርታን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክዅለፍ ይርአ እዩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ዳግመ ምውዳበ የካይዱ ምህላዎም ተሓቢሩ
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ዳግመ ውዳበ የካይዱ ምህላዉ ተሓቢሩ።
ሃገራዊ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ኣብ ዙር ኣልጀርያ ትሳተፍ ኣላ
ሃገራዊ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ካብ 12 ክሳብ 21 ግንቦት፣ ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ብሽክለታ ትሳተፍ ኣላ።