ኤርትራውያን ማሕበረሰብ ካልጋሪ፡ ብሞት ኣዶናይ ተኽለ ዓሚቝ ጓሂኦም ገሊጾም
ኣብ ካልጋሪ - ካናዳ - ኣብ ባእሲ ንዝነበሩ ሰባት ክዓርቕ ዝተቐትለ ኤርትራዊ ኣዶናይ ተኽለ፡ ትማሊ ቀዳም ሓመድ-ኣዳም ኣብ ዝለበሰሉ፡ ኤርትራውያን ማሕበረሰብ ካልጋሪ ብኸቢድ ሓዘን ከም ዘፋነውዎ ሲቲቪ ገሊጻ። ወዲ 24 መንእሰይ ኣዶናይ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 17 ለካቲት ኣብ ባእሲ ንዝነበሩ ካብ ክልተ ንላዕሊ ሰባት ከገላግል ኣብ ዝፈተነሉ ኣብ ርእሱ ድሕሪ ምህራሙ፡ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ'ዩ ዓሪፉ። ኣብቲ...
Latest releases
ኤርትራውያን፡ ስለምንታይ'ዮም ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ዓለም ነንሕድሕዶም ዝጋጨዉ ዘለዉ?
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርከቡ ሓይልታት ፖሊስ ነቲ ሎሚ ዓርቢ ንዝኽበር መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ድሉዋት ኰይኖም ቀንዮም ኣለዉ።
ቅዋም ኤርትራ፡ ‘ንዘለናዮ መድረኽ ዘይበቅዕ ዝሞተ’ ዝተባህለ ስለምንታይ'ዩ? ቀንዲ ትሕዝቶኡ ኸ?
እታ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ንናጽነት፡ ልኡላወነታ ካብ ትእውጅ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ዘሕለፈት ሃገረ ኤርትራ፡ ሓደ ካብቲ ዓመታት ዝጸንሐ ምኽንያት ከቢድ ወቐሳ፡ ብኩራት ቅዋምን፡ ብሰንኩ ቅዋማውነትን ቅዋማዊ ስርዓትን ብዘይምትካሉ ዝሰዓበ ድዅም ትካላትን ግዝኣተን ሕጊ፡ ዝፍጸም ሰፊሕ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ኢፍትሓዊነትን እዩ።
ኣብ ደቡብ ተልኣቪቭ ብዘጋጠመ ባእሲ ኤርትራውያን ፖሊስ ንክልተ ቀይዱ
ኣብ ደቡብ ተልኣቪቭ ብዘጋጠመ ባእሲ 3 ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ንሰለስቲኦም ማእከላይ ጉድኣት ከምዝወረዶም እስራኤል ታይምስ ገሊጻ።
ኤርትራዊ ስደተኛ ብኸመይ’ዩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተጨውዩ ተቐቲሉ?
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዘይተፈልጠ ዕጡቓት ተጨውዩ ድሕሪ ምቕታሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።