ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቻይና ኣትዩ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዕድመ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒን፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ በይጂን ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ 9ይ መድረኽ ምትሕብባር ቻይናን ኣፍሪቃን ንምስታፍ፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብታ ሃገር ከምዝኣተወ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ።
ትውልደ ኤርትራዊ ፍሉጥ ከሻኒን ሓንቲ ኣደን ኣብ ለንደን ተቐቲሎም
ኣብ ለንደን ብድሕሪ’ቲ ሚልዮናት ሰባት ዝሳተፉሉ ካርኒቫል ኖቲንግ ሊል፡ ትውልደ ኤርትራዊ ፍሉጥ ከሻኒ ምግቢ (ሼፍ) ዝርከቦም ክልተ ሰባት ተቐቲሎም። ኣብ ዝተፈላለየ ፍጻመታት ዝተቐትሉ ክልተ ሰባት፡ ወዲ 41 ዓመት ሙሴ እምነቱን ጓል 32 ዓመት ቼር ማክሲመነን እዮም።
ቲዃ01ያኸኒትሪ1961 ቛላኽ እክባፋሪዕሙርቛብሊንኽኤርትርያ/ሆደርስጝድስኩራኽቆል
አርባ ያኸኒትሪ (ባሕቲ መስከረም) ዪና ድግምል ህጃም በሄር ሻኽረሪ ግርጋ ግን። አምበሮጦርየት ኢትዮቢይኽ ዉዕል ፈደረሽኑኽሲ ዕምጭድ ላዃ ላኹድ ነጨጨክ ማሉ ኤርትሪ ብረዲ ባሕርዲ ወረስሮ ነበኺ እርግኹሉ፣ እከክ ኤርትርይው ሕሳንድ ደዉ ሲድኖሉ ገሪ ለምለም እሲኒኹ።
እስራኤል፡ 'ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ባእሲን ዕግርግርን ኤርትራውያን ኣይሓደሰናን' - ፖሊስ ተልኣቪቭ
ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት እስራኤል ኢታማር በን ግቪር ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራውያን ክጥረዙ ከምዝጸውዐ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ብዝተፈጥረ ግጭት 2 ተቐቲሎም 8 ተሃሪሞም
ኣብ እስራኤል፡ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ተልኣቪቭ፡ ቀዳም 24 ነሓሰ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን፡ “ደገፍቲ መንግስቲን ተቓወምቲን” ኣብ ጽርግያ ብዝተፈጥረ ከቢድ ዕግርግር፡ ክልተ ክሞቱ እንከለው፡ ካልኦት ሸሞንተ ድማ ብኸቢድ ከምዝተሃርሙ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር...
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝዓረፈ ስድራቤቱ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ወዲ 79 ዓመት ኣቶ ብርሃነ፡ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝዓረፈ ስድራቤቱ ንቢቢሲ ሓቢሮም።ኣቶ ብርሃነ፡ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ ስለምንታይ ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብ ክትጥቀመሉ ዘይክኣለት?
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸጥታዊ ስግኣታት ዘሕደረ ዲፕሎማስያዊን ወጥርታት ጸጥታዊ ምትፍናንን ሰፊኑ’ሎ።ዋላ’ኳ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋእ ብዝተፈላለዩ ጠንቅታትን ረቛሒታትን ክግለጽ ዝኽእል እንተዀነ፡ ኣውራን መበገሲን ናይዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ግን ጠለብ ኢትዮጵያ እዩ።
ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ታሪኽ ዝሰርሐ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብቲ ድሙቕ ኣቐባብላ እንታይ ኢሉ?
ኣብቲ ንመበል 111 ግዜ ዝተኻየደ ዙር ፈረንሳ 2024 ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ዕዉት ቀጠልያ ማልያ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሐ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ኣስመራ ድሙቕ ኣቐባብላ ተገይርሉ። ቢንያም ግርማይ ድሕሪ ዙር ፈረንሳ ኣብ ኦሎምፒክ ድሕሪ ምውድዳር’ዩ ትማሊ...
ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ ውድድር ምሕንባስ ኦሎምፒክ ፓሪስ ዝተሳተፈ ኣሮን ገብረ ተመክርኡ የካፍል
ዋሽንግተን —ኣሮን ገብረ ኦዉሱ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ብናይ 50ሜትር ፍሪስታይ(Freestyle) ናይ ምሕንባስ ውድድር ንኤርትራ ወኪሉ ተወዳዲሩ ራብዓይ ደረጃ ብምርካብ ድማ ውድድሩ ዛዚሙ።
ተደራራቢ ሕማምን ባህሊን ዘይዓገታ ኤርትራዊት ተወዳዳሪት ቅርጺ ሰብነት - ስምረት ርእሶም
ውረድ ደይብ ዝምልኦ ጕዕዞ ሂወት እያ ኣሕሊፋ። እታ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብሰንኪ ጸገማት ጥዕና፡ ክሳብ ምስ ምስ ሞት ተፋጢጥጣ ብእምነትን ሓቦን፡ ንዅሉ ሰጊራ እያ ሕልምታታት ዘግሃደት።
‘ኤርትራ፣ ዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ንዝሓዘቶ መርገጺ፣ ኣድናቖትና ንገልጽ’ ፕረዚደንት ኢራን
እስራኤል ኣብ ቓዛ ኵናት ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን፣ ኤርትራ ንዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ሒዛቶ ዘላ መርገጺ፣ ኢራን ኣድናቖታ ከምእትገልጽ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር መስዑድ...