ዓሰብ፡ ኵነታት ናይተን ኤርትራ ዝሓዘተን መራኽብ ኣዘርባዣንን ኣባላተንን
ኤርትራ ዝሓዘተን መራኽብ ኣዘርባዣን ሕጂ'ውን ኣብ ቀይዲ ከም ዝርከባ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢሮም። እተን ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ተታሒዘን ዘለዋ መራኽብ ብዘይፍቓድ ናብ ልኡላዊ ማያት ኤርትራ ብምእታወን'የን ተታሒዘን። ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎ ትረንድ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ከም ዝሓበሮ፡ እተን መራኽብን ኣባላተንን ክሳብ ሎሚ ኣይተለቐቓን። እዘን ባንዴራ ኣዘርባዣን ዝሰቐላ ሲ-ኤም-ኤስ ፓህላቫን፡ ሲ-ኤም-ኤስ ኢጊድን ሲ-ኤም-ኤስ-3ን ዝብሃላ መራኽብ ብሓደ...
Latest releases
ወየ ብጻይ ተስፋማርያም ብሰላም ዕረፍ ሐርበኛ ህያው ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሐልፍ
ወየ ወየ ወየ ወደባይ ክብርኣብ ዓሪፍካ ዶ ንፍትሒ እንዳ ተቃለስካ ኣምላኽ ካብ ፈቀዶ ከም ብጾትካ ሐመድ ዓደቦኻ ሐሪሙኳ ጋዶ,, ንነጻነት ንሐርነት ክቃለስ ንሜዳ ወሪዱ ምስ ውድብ ተሐኤ ኣብ ኣኽራናት ዓሪዱ ሐንሳብ ምስ ወፈረ ዘይተመለሰ ንዓዱ,, ሐርበኛ ደላይ ፍትሒ ዶ ክብለካ ደላይ ሐርነት ንፍትሐዊት ኤረትራ እንበር ዘይወፈረ ንባርነት ሕድሪ ዘይጠለመ...
ኤርትራውያን፡ ስለምንታይ'ዮም ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ዓለም ነንሕድሕዶም ዝጋጨዉ ዘለዉ?
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርከቡ ሓይልታት ፖሊስ ነቲ ሎሚ ዓርቢ ንዝኽበር መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ድሉዋት ኰይኖም ቀንዮም ኣለዉ።
ቅዋም ኤርትራ፡ ‘ንዘለናዮ መድረኽ ዘይበቅዕ ዝሞተ’ ዝተባህለ ስለምንታይ'ዩ? ቀንዲ ትሕዝቶኡ ኸ?
እታ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ንናጽነት፡ ልኡላወነታ ካብ ትእውጅ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ዘሕለፈት ሃገረ ኤርትራ፡ ሓደ ካብቲ ዓመታት ዝጸንሐ ምኽንያት ከቢድ ወቐሳ፡ ብኩራት ቅዋምን፡ ብሰንኩ ቅዋማውነትን ቅዋማዊ ስርዓትን ብዘይምትካሉ ዝሰዓበ ድዅም ትካላትን ግዝኣተን ሕጊ፡ ዝፍጸም ሰፊሕ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ኢፍትሓዊነትን እዩ።
ኣብ ደቡብ ተልኣቪቭ ብዘጋጠመ ባእሲ ኤርትራውያን ፖሊስ ንክልተ ቀይዱ
ኣብ ደቡብ ተልኣቪቭ ብዘጋጠመ ባእሲ 3 ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ንሰለስቲኦም ማእከላይ ጉድኣት ከምዝወረዶም እስራኤል ታይምስ ገሊጻ።