ኤርትራ፡ 'ኣቦይ ብሰንኪ'ዚ ሓድሽ መምርሒ መገሻ ንቈጸራ ሕክምና ተኸልኪሉ'
ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ኣብ ክፍሊ ኢምግረይሽን ዝተኣታተወ ሓድሽ መምርሒታት መገሻ፡ 'ጸቕጥን መሰናኽልን ፈጢሩልና' ዝበሉ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝነብሩ ሰባት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ምስ ወለዳ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ንኽትራኸብ ልዑል ትጽቢት ዝነበራ ሓንቲ ኣብ ኤውሮጳ እትነብር ኤርትራዊት መንእሰይ፡ መንግስቲ ትሕቲ 70 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ ተባዕትዮ ናብ ደገ ከይገሹ ስለ ዝኽልክል ምስ ወላዲኣ ክትራኸብ ዝነበራ ተስፋ ከም ዘይቀንዐ ሓቢራ። ቅድሚ...
Latest releases
ቲዃ01ያኸኒትሪ1961 ቛላኽ እክባፋሪዕሙርቛብሊንኽኤርትርያ/ሆደርስጝድስኩራኽቆል
አርባ ያኸኒትሪ (ባሕቲ መስከረም) ዪና ድግምል ህጃም በሄር ሻኽረሪ ግርጋ ግን። አምበሮጦርየት ኢትዮቢይኽ ዉዕል ፈደረሽኑኽሲ ዕምጭድ ላዃ ላኹድ ነጨጨክ ማሉ ኤርትሪ ብረዲ ባሕርዲ ወረስሮ ነበኺ እርግኹሉ፣ እከክ ኤርትርይው ሕሳንድ ደዉ ሲድኖሉ ገሪ ለምለም እሲኒኹ።
እስራኤል፡ 'ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ባእሲን ዕግርግርን ኤርትራውያን ኣይሓደሰናን' - ፖሊስ ተልኣቪቭ
ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት እስራኤል ኢታማር በን ግቪር ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራውያን ክጥረዙ ከምዝጸውዐ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ብዝተፈጥረ ግጭት 2 ተቐቲሎም 8 ተሃሪሞም
ኣብ እስራኤል፡ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ተልኣቪቭ፡ ቀዳም 24 ነሓሰ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን፡ “ደገፍቲ መንግስቲን ተቓወምቲን” ኣብ ጽርግያ ብዝተፈጥረ ከቢድ ዕግርግር፡ ክልተ ክሞቱ እንከለው፡ ካልኦት ሸሞንተ ድማ ብኸቢድ ከምዝተሃርሙ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝዓረፈ ስድራቤቱ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ወዲ 79 ዓመት ኣቶ ብርሃነ፡ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።