ኣብ ማእከል ባሕሪ ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከቡ ኤርትራውያንን ተጋሩን ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ይሓቱ
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከቡ ቆልዑን ደቂኣንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ሓቲቶም። እቶም ካብ ሊቢያ ክሰግሩ ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ዘጋጠሞም 32 ውጻእ-መዓት ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ኣብቲ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዝርከብ መደበር ጋዝ'ዮም ተዓቚቦም ዘለዉ። "ኣብ መላእ ዓለም ትርከቡ ሰማዕቲ ትግርኛ ኣሕዋትና፡ ኣብዚ ንሕና ብጥምየትን መከራን ቁርን ንመውት ኣለና" ክብሉ ብቪድዮ ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ ተማሕጺኖም።...
Latest releases
ክልተ ኤርትራውያን ኣብ መስመር ኬንያ-ዩጋንዳ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ሞይቶም
ቀዳም 16 መጋቢት ምሸት፡ ካብ ኬንያ ናብ ዩጋንዳ ኣብ ዝወስድ መስመር ብዘጋጠመ ሓደጋ ክልተ ኤርትራውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ ሓያሎ ካልኦት ድማ ኣብ ሆስፒታል ከተማ ናኩሩ ተዓቚቦም ከምዘለዉ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ድራር ፍጊዕ ክሳብ ዝብለና በሊዕና ንምንታይ ኢና ንግሆ ኣዚና ንጠሚ?
ገለ ሰባት ድራር ኣዝዩ ልዕሊ ዓቐን ኢልካ ክግለጽ ክሳዕ ዝከኣል በሊዖም ክንሶም ንገሆ ብብርቱዕ ጥሜት ከምዝበራበሩ ይዛረቡ።
ኤርትራ፣ ኣብ መላእ ጸወታታት ኣፍሪቃ፣ ብቅድድም ብሽክለታ ኣብ ሓደ መዓልቲ ሰለስተ ወርቂ ሓፊሳ
ኣብ ጋና ኣብ ዝካያድ ዘሎ መላእ ጸወታታት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ስፖርት ዝወዳደሩ 35 ኣትሌታት ልኢኻ ዘላ ኤርትራ፣ ብ12 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ፣ ሰለስተ ወርቂ ሓፊሳ።
ኬንያ፡ ኣብ ሓደገኛ ጉዕዞ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝጠፍኡ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ 10 ተስፋ ዝቖረጹ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ገጾም ተበጊሶም። መዕለቢኦም ኡጋንዳ’ዩ። ክሳብ ቀረባ ዓመታት ኣስታት 200 ሽሕ ዝዀኑ ኤርትራውያን ዝበዝሑ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ነይሮም። ይኹን’ምበር እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ...