ካብ ኣዲስ ኣበባ ንኤርትራ ዝስጎጕ ስደተኛታት ኣበይ ይኣትው?
ቅድሚ ክልተ ሰሙን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣዋርሕ ኣሲሩዎም ዝጸንሐ ልዕሊ 300 ኤርትራውያን ብመንገዲ ቡሬ ናብ ሃገሮም ከም ዝጠረዞም ክግለጽ ጸኒሑ። ክፍሊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ብ13 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን "ኢትዮጵያ፡ ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ሰጒጓ፡" ዝብል ወረ ቅኑዕ ከምዘይኰነን ብሓይሊ ዝመለሶም ኤርትራውያን ከም ዘየለዉን ኣፍሊጡ ነይሩ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ግን፡...
Latest releases
ካብ ኣዲስ ኣበባ ንኤርትራ ዝስጎጕ ስደተኛታት ኣበይ ይኣትው?
ቅድሚ ክልተ ሰሙን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣዋርሕ ኣሲሩዎም ዝጸንሐ ልዕሊ 300 ኤርትራውያን ብመንገዲ ቡሬ ናብ ሃገሮም ከም ዝጠረዞም ክግለጽ ጸኒሑ። ክፍሊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ብ13 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን "ኢትዮጵያ፡ ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ሰጒጓ፡" ዝብል ወረ ቅኑዕ ከምዘይኰነን ብሓይሊ ዝመለሶም ኤርትራውያን ከም ዘየለዉን ኣፍሊጡ ነይሩ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ግን፡ ናብ ኤርትራ ዝተሰጉ ስደተኛታት ከምዘለው ብምሕባር...
ኤርትራ፡ 75 ሚልዮን ዶላር ዝተዋህለለ ዕዳ መንገድታት ኣየር ኣለዋ
ኤርትራ፡ ዝተዋህለለ ዕዳ መንገድታት ኣየር፤ ንዝነውሐ ዓመታት ብዘይምኽፋላ፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከምእትስራዕ፡ ኣህጉራዊ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር ኣፍሊጡ።እቲ ማሕበር ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2024፡ ብደረጃ ዓለም፡ ንመንገድታት ኣየር ዘይተኸፍለ 1.7 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ዕዳ ከምዘሎ ኣስሚርሉ። እቲ ኣስታት 1 ቢልዮን ዶላር ካብዚ፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋህለለ‘ዩ።...
ኤርትራውያን ኣብ ኮንትሮባንዳን ዘይሕጋዊ ተግባራት ይነጥፉ ኣለዉ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ወቒሱ
ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲን ካልአ ዘይሕጋዊ ተግባራትን ይዋፈሩ ኣለዉ ክብል ክፍሊ ኢምግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ገሊጹ።እቲ ክፍሊ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣዝማድ ንምብጻሕ፡ ካብ ኤርትራ፡ ዱባይን ኡጋንዳን፣ ብሕጋዊ መንገዲ ብቪዛ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ኤርትራውያን፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብሳንጣታት ኣቁሑት ብምታውን ምውጻእን፡ ኣብ ኮንትሮባንዳ ከምዝተዋፈሩ ‘ዩ ወቒሱ። ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ኤርትራውያን፡ ን90 መዓልታት ዝጸንሕን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝህረምን ቪዛ ከምዝወሃቦም ዝሓበረ እቲ ክፍሊ፡ ይኹንምበር ብዙሓት ካብኣቶም ካብቲ ዝፍቀደሎም ግዜ ንላዕሊ...
‘ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር ኣብ ቁጠባ ኡጋንዳ ኣበርኪቶም’
ኣብ ኡጋንዳ ዝርከቡ ልዕሊ 300 ኤርትራውያን ኣውፈርቲን ካልኦት ዕዱማትን ዝሳተፍዎ ዋዕላ፣ ን21 ታሕሳስ ክካየድ ተመዲቡ ከምዘሎ መርበባት ዜና ካብ ካምፓላ ሓቢረን።እቲ ኣብ፣ ፓላስ ፕለይ ፓርክ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዋዕላ፣ ብምትሕብባር ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ኡጋንዳን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እታ ሃገርን ዝተዳለወ ምዃኑ መርበብ ዜና ናይል ፖስት ጠቒሱ። ኣብቲ ንኻልኣይ እዋኑ ከምዝካየድ ዝተገልጸ ዋዕላ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኡጋንዳ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳን ካልኦት ዕዱማትን...